ቤት መዘጋጃ ከተማ ማይ ፀብሪ ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት እትህብ ገልባጭ ዝውዕል ማለት ናይ ዓባይ መኪና ዩወዳም ትራክ በዝሒ ጎማ 12 ዓይነት ኣይለስ 8 ናይ ድሕሪት ረጊድ ስኒ ምስ ካላማደሪያን ፍላፕን 4 ብሪጅቶን ስኒ ምስ ካላማደሪያን ፍላፕን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ክትጫረቱ ይዕድም፡፡

ቤት መዘጋጃ ማይ ፀብሪ

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲን ምስክር ወረቀት መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለዎ፣ኣብ ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ መጋቢት 2011ዓ/ም ሒሳብ ዝፍለጠሉ መረዳእታ ዘቅርብ፤

3 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ከፊልካ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ማይ ፀብሪ ቢሮ ቁፅሪ 3 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል፤

5 ሰዓራይ ጨረታ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብ ወረዳ ፀለምቲ ቤት መዘጋጃ ከተማ ማይ ፀብሪ ከቅርብ ዝክእል ፤

6 ዋና ጨረታ ሰነድን ነቲ ምሉእ ሰነድ ቅዳሕ ብምግባር ኣብ ሐደ ፖስታ ዝተዓሸገ ናብ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ክግበር አለዎ፡፡

7 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 27/09/2011 ዓም ዝፀንሕ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ እንተዘይሃልዉ እዉን ጨረታ ሕጊ ዘማልአ እንተኮይኑ ይክፈት፡፡

8 እቲ ቤት ዕዩ ካብ ተጫረቲ ብበዝሒ ንብረት መጠን 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ፡፡

9 እቲ ቤት ዕዩ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብዉስን ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0346-620279 /0914—238498 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo