ን2ይ ግዜ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ክልል ትግራይ ካብ ናይ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ፣ ናይ መኪና ጎማን ባትርን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ኤጀንሲ ስታስቲክስ ክልል ትግራይ

1 ብናይ ኤሌክትሮኒክስ ናይ መኪና ጎማ ኣቅርቦት ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ መቅረባይ ሰርቲፊኬት ቲን፣ቫት ዝተመዝገበን ናይ መጋቢት ዲክሌር ዝገበረ መከበሪ ጨረታ ብር 5000.00 ሽሕ ብዝኮነ ንግዲ ባንኪ ብሲፒኦ ዝተረጋፀ ቼክ ወይ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ባንኪ ከቅርብ ዝክእል፤

2 25.00 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምውሳድ ይከኣል፡፡

3 ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ካብ ዕለት 07/09/2011ዓ/ም ክሳብ 22/09/2011ዓ/ም 9:00 ድ.ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 22/09/2011ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድ.ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ብተመሳሳሊ ዕለት ኮይኑ ሰዓት 9:30 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ይከውን :: እዙይ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ አዋን ምክፋት ጨረታ ኣብ ሳንዱቅ ዘኣተወ ፖስታ ከይተከፈተ ዝምለስ የለን::

4 እቲ ጨረታ ካብ ዝክፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን ን45 መዓልቲ ይከውን::

5 ኣድራሻና ክፍለ ከተማ ዓደ ሓቂ ፊት ንፊት ቤት ትምህርቲ ካቶሊክ እንዳ ባ ገ/ሚካኤል ዝርከብ ህንፃ ኣብ 1ይ ደብሪ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ን/ምምሕዳርን እዩ::

6 እቲ ኤጀንሲ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0342-402362 ምድዋል ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo