ኤጀንሲ ልምዓት ዳኣንት ምርግጋፅ ምግቢ ዉሕስና ከተማታት ክልል ትግራይ ና ፕሮሞሽን ኣገልግሎት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣገልግሎት ክረክብ ይደሊ።ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም

ኤጀንሴ ልምዓት ዳኣንት ምርግጋፅ ምግቢ ዉሕስና ከተማታት ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝክእል፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ /TIN/ ሰርተፊኬት ከቕርብ ዝክእል፤

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ /VAT/ ዝተመዝገበ ኮይኑ /VAT/ ምዝገባ ሰርቲፊኬት ናይ ወርሒ መጋቢት 2010 ዓም VAT ድክላሬሽን ከቕርቡ ዝኽእሉ፤

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቐት ከቅርብ ዝክእል፤

5 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 50 እናከፈሉ ካብ ኤጀንሲና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 10 ካብ ዕለት 09/09/2011ዓ/ም ክሳብ 16/09/2011 ዓ/ም አብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብአካል ብምቅራብ ምዉሳድ ይክእሉ፡

6 ዝቐርብ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒ ነንበይኑ ብሸምዒ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኮይኑ ኣብ ልዕሊኡ ናይ መቅረባይ ሙሉእ ሽም ናይቲ ትካል ኣድራሻ ስልኪ ቁፅሪ ናይ ምንታይ ዓይነት ጨረታ ምኻኑን ናይቲ ቤት ዕዩ ሽም ክሕብር አለዎ።

7 ተጫረቲ ዘትሕዝዎ መክብሪ ጨረታ ናይ 3,000.00 /ሰለስተ ሽሕ/ ን ብር ብሽም ኤጀንሴ ልምዓት ዳኣንት ምርግጋፅ ምግቢ ዉሕስና ከተማታት ክልል ትግራይ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብCPO ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤት ዕዩ ጨረታ ሳንዱቅ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእሉ::

8 አብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ ብምስልን ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠንን ኣገልግሎት ክህብ ዝክእል፤

9 እቲ ጨረታ ዕለት 17/09/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቕድሚ ቐትሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቐትሪ ሰዓት ኤጀንሲ ልምዓት ዳኣንት ምርግጋፅ ምግቢ ዉሕስና ከተማታት ክልል ትግራይ ፊት ንፊት ፕላኔት ሆቴል ሰናይ ዘበን ህንፃ 2ይ ደብሪ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 10 ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ዝኽፈት ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ጨረታ ምኽፋት ኣይተአጓጎልን፡፡

10 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ክኸዉን አለዎ ተዘይኾኑ ቫት ከምዝሐወሰ ርዱእ ተገይሩ ይዉሰድ፡፡

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 40 መዓልቲ ይኸዉን፡፡

12 ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

13 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ኤጀንሲና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት ዓቐን ወይ ዋጋ ከምአዳላይነቱ ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቐሓ ክሳብ 20% ናይ ምውሳክ ወይ ምቅናስ ይክእል እዩ::

14 መተሓሳሰቢ ዝክፈተሉ ዕለት ኣብ ናይ መንግስታዊ ወይ ሃይማኖታዊ በዓል እንተዊዕሉ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይከውን፡፡

መተሓሳሰቢ ንተወሳኪ ሓበሬታ ስልኪ ቁፅሪ 0342-406363 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከአል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo