ኤለክትሮኒክስ ኮምፒተርን፣ ናይ ሙዚቃ መሳሒ፣ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝዉዕል ናዉቲ መሳርሒ ህንፃ ናዉቲ ሕክምና ኣፋዉስን

ኮሌጅ ፖሊቴክኒክ ሕርሻ ዉቅሮ

ኤለክትሮኒክስ ኮምፒተርን፣ ናይ ሙዚቃ መሳሒ፣ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝዉዕል ናዉቲ መሳርሒ ህንፃ ናዉቲ ሕክምና ኣፋዉስን ፣ ኣቁሑት ቤት ዕዮ ሓፂን ማለት እዉን ቦክስ ፋይል ፣ መለዋወጢ ኣቁሑት  መኪናን ጎማታትም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድገ ስለዝደሊንተወዳደርቲ ይዕድም

  1. ኣብቲ ዉድድረ ክካፈሉ ዝግብኦም መቅረብቲ ንዘቅርብዎም ኣቁሑት ዝተሓደሰ  ናይ 2007 ን 2008 ን በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  2. ኤለክትሮኒክስ ኮምፒተርን ናይ ሙዚቃ መሳርሕን መለዋወጢ ኣቁሑት መኪናን ጎማታትን ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር  ዝዉዕሉ ናዉቲ መሳሒ ህንፃ ናዉቲ ሕክምናን ኣፋዉስ እንስሳን መሳርሒ ፅሕፈት ንምቅራብ ኣብ ዝወዳደሩ ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ዝተመዝገቡ ምካኖም
  3. ናይ ወርሒ ነሓሰ 2007 ዓ ም ወይ መሰከረም 2008 ዓ ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  4. ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ክምዝገቡ ዘይግብኦም  እንተኮይኖም ድማ ክምዝገቡ ከምዘይግብኦም ዝገልፅ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  5. ግብሪ መንግስቲ ከፋሊ ምካኑ ዘረጋግፅሉ ንግብሪ ከፈልቲ ዝወሃበ መለለዩ ቁፅሪ መላት እዉን ቲን ነምበር መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  6. መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮታት ኣብ ዝፍፅምዎም ግዚኢታት ንምክፋል ኣብ ናይ ኣቁሑት ግልጋሎት መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምካኖም ዝገልፅ ናይ 2007ን 2008 መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  7. ሰዓሪ ምካኖም ብምግላፅ ዉዕሊንክኣስሩ  ካብ ዝተገለፀሎም ዕለት ጀሚሩ ናይ ዘቅርብዎ ንብረት ዋጋ 10 ሚኢታዊ ዉዕሊ መክበሪ ኣትሒዞም  ኣብ ዉሽጢ2 መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መፅዓኒ መጋዕዝያ መራገፍን ንብረት ናብ ኮሌጅ ፖሊቴክኒክ ሕርሻ  ዉቅሮ አታዊ ክገብሩ ዝክእሉ
  8. ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ንጨረታ መክበሪ ኮምፒተራትን መሳርሒ ሙዚቃን  ንምቅራብ  ዝወዳደሩ 3000 ቅርሺ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝዉዕሉ ናዉቲ ህንፃ መሳርሒ ንምቅራብ  ዝወዳደሩ 6000 ቅርሺ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝዉዕሉ ናዉቲ ሕክምናን ኣፋዉስ እንስሳን  ንምቅራበ ዝወዳደሩ 5000 ቅርሺ  ናይ ተሽከርከርቲ መለዋወጢ  ኣቁሑትን ጎማታትን ንምቅራብ ዝወዳደሩ 3000 ቅርሺ  መሳርሒ ፅሕፈት ንምቅራብ ዝወዳደሩ 3000 ቅርሺ ኣቁሑት ቤት ዕዮ ሓፂን ማለት እዉን ቦክስ ፋይል ካቢኔት ንምቅራብ ዝወዳደሩ 2000 ቅርሺ  ኣቁሑት ፅሬት  ንምቅራበ ዝወዳደሩ  1000 ቅርሺ ብሲፒኦ ብጥረገንዘብ ብዝተረጋገፀ ናይ ባንኪ ዉሕስና ከትሕዙ ዝክእሉ
  9. ሰነድ ጨረታ ካብ 3 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ጀሚሩ ንነፍስወከፍ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሕርሻ ዉቅሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ብምዉሳድ ዝወዳደርሉ ዋጋ መሊኦም  ኣብ ነፍስወከፍ  ገፅ ፈሪሞም ኣብ ልዕሊ ፖስታ ሽሞምን ኣድራሻኦምን  ፅሒፎም ፈሪሞምን ማሕተም ገይሮምን ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ 18 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ሰዓት 3 ፡00 ኣታዊ ክገብሩ ዝክእሉ
  10. ጨረታ 18 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ሰዓት 3፡ 10 ተዓፅዩ ሰዓት 3 ፡30 ይክፈት
  11. ጨረታ እንትክፈት ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም እንትርከቡ ይምረፅ
  12. እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዊ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344430565 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo