ሱር ኮንስትራክሽን ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ፒቪሲ ፕሮጀክት ዝ/ዩ ዘገልገሉ ንብረታት ዘገልገለ ባህርዛፍ ናይ ሞራሌን ፕላይ ውድን ቁርፅራፅ ዕንፀይትን ፣ ዘገልገለ ናይ ዘይትን ግሪስን በርሚል፣ ዘገልገለ ናይ ላሜራን ቴንዲኖን ቁርፅራፅ ሓፂን፣ ዘገልገለ ባትሪ 60A, 70A,150A፣ ዘገልገለ ጎማ 12*20፣ ዘገልገለ ጎማ 23.10*25፣ ዘገልገለ ናይ ካርታማ በርሚል፣ ዘገልገለ ናይ ኬምካል በርሚል፣ ዘገልገለ ናይ ኬምካል ፕላስቲክ በርሚል፣ ዝተቃፀለ ዘይቲ//፣ ዘገልገለ ናይ ሲሚንቶ ከረጢት /ጭረት/ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ከሸይጥ ይደሊ፡፡

Sur Construction PLC

1 ካብ09/09/2011ዓ/ም ክሳብ 30/09/2011ዓ/ም ንተከታታሊ 22 መዓልቲ ዝፀንሕ እንትከውን ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት እንዳባሸላማ ኣብ ዝርከብ ናይ ሱር ኮንስትራክሽን ፒቪሲ ፕሮጀክት ቢሮ ብምምፃእ በዓል 2ተ ገፅ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ክትገዝኡ ትክእሉ ምዃንኩም ንሕብር፡፡

ስለዝኮነ ናይዚ ጨረታ ረቋሒ ክተማልኡ ትክእሉ ተጫረቲ ናይ ሓደ ዋጋ ቫት ዘይሓውስ ብምምላእ ካብ ዝተጠቀሰ ዕለት ጀሚርኩም እንዳባሸላማ ኣብ ዝርከብ ናይ ፒቪሲ ፕሮጀክት ፅ/ቤት ብምምፃእ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳጥን ብምእታው ክትጫረቲ ትክእሉ ምዃንኩም ንሕብር፡፡

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒታት

1 ዝተሓደሰ ናይዚ ዘመን ንግዲ ፍቃድ፣ ንግዲ ምዝገባን፣ ቲን ቁፅሪን ከምኡውን ናይ ቫት ተመዝጋቢን ምዃኖም ከቅርቡ ኣለዎም፡

2 ናይ ሚያዝያ ወርሒ ቫት ሪፖርት /ቫት ዲክላሬሽን/ ከቅርቡ ኣለዎም፡

3 ተጫረትቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሙሉእ ሽሞምን ኣድራሽኦምን ስልኪ ቁፅሮምን ክፅሕፉ ኣለዎም፤

4 ጨረታ ኣሸናፊ ውዕሊ ካብ ዝፈፀመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ክፍሊት ከፊሉ ብናይ ባዕሉ መፅዓንን መራገን መጎዓዓዝን ከልዕል ይግደድ፡፡ ተዘይኮይኑ ግን ዘትሓዞ ናይ ውዕሊ መከበሪ ሲፒኦ ናብ ድርጅት ኣተዊ ኮይኑ ምስ ትካልና ዝነበሮ ውዕሊ ዝቋረፅ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ፡፡

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ 50,000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ጥራሕ ብሽም ሱር ኮንስትራክሽን ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ፒቪሲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎም፤

7 እቲ ጨረታ 30/09/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 8:30 እንዳባሸለማ ኣብ ዝርከ ናይቲ ፕሮጀክት ፅ/ቤት ይክፈት።

8 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0982-224665/0912-049504 ምድዋል ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo