ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኵሓ ንዝ/ዩ ኣብያተ ፅሕፈት ኣገልግሎት ዝውዕሉ ዝ/ዩ ንብረት ሞተር ሳይክልን ናይ መኪና ጎማን ከምፅኡን ፊት ንፊት ፍፁም ብርሃን ሬስቶራንት ወልደ ንጉስ ትምህርቲ ቤት ዝርከብ ሓምላዋይ ስራሕቲ ከባቢ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ

1 ዝተሓደሰ ናይ 2011ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ መቅረባይነት ምዝገባ ካርዲ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ 08/09/2011ዓ/ም ክሳብ 22/09/2011ዓ/ም ሰዓት 11፡30 ሰነድ ጨረታ ምውሳድ ዝከኣል ኮይኑ 23/09/2011ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓሺጉ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፡፡

3 ንሓምለዋይ ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ 15000.00 ሽሕ ቅርሺ ፣ ሞተር ሳይክልን ናይ መኪና ጎማን 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረገንዘብ ናብ ባንኪ ቁፅሪ 1000039926621 ኣታዊ ብምግባር ከትሕዝ ዝክእል፤

4 መግዝኢ ሰነድ ጨረታ ንኩሎም 30 ቅርሺ እዩ፡፡

5 ብስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት ማለት ብግሪን ኤርያ ሕጋዊ ፍቃድ ዘለዎም ክኮኑ ኣለዎም፣

6 ብስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት ማለት ብግሪን ኤርያ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ጥራሕ ኮይኖም ካልኦት ግን ንኩሎም ተወዳደርቲ ዝሓወሰ ኮይኑ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮኑ ናይ ወርሒ መጋቢት ሒሳብ ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ኣለዎም፡፡

7 እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኵሓ ከ/ስ/ዕ/ፋይናንስ ኣብ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ ምካንኩም ክንሕብር ንደሊ፡፡

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-888930 ደዊልካ ምሕታት  ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo