ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ኣብ 2011 በጀት ዓመት ካብ ስሩዕ በጀቱ ንኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ጎማ መካይንን ካላማደሪያን፣ አቅሑት ኤሌክትሮኒክስን ኣቅሑት መለዋወጢ መኪናን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት

በዚ መሰረት ተወዳደረቲ ከማልእዎም ዝግብኡ ረቆሒ

1 ናይ 2011ን ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ ዘረፉ ንግዲ ፍቓድን ናይ መቅረብቲ ሰርትፈኬትን ዋናን ኮፒን::

2 ናይ መለለይ ቁፅሪ /TIN/ን VATን ሰርቲፌኬት ዋናን ኮፒን::

3 ናይ ወርሒ መጋቢት 2011 ዓ/ም ዓዲ ዉሸጢ እቶት ኣታዊ ዝገበረሉ ወረሓዊ ድክለሬሽን ዋናን ኮፒን::

4 ነቲ ዝካየድ ጨረታ መኸበሪ ዝዉዕል ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ንመሳርሒ ፅሕፈት 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንጎማን ካላማደሪያን 2000.00ሽሕ ቅርሺ፣ ንመለዋወጢ ኣቅሒት መኪና 8000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብ ጥረገንዘብ ወይ CPO ወይከዓ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዙ ዝኽእሉ::

5 ጨረታ ተከፊቱ ሰዓራይ ምስ ተገለፀ ናይ ዘሰዓሮ 10% ኣትሒዙ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

6 ንመሳርሒ ፅሕፈት፣ ጎማ መካይንን ካላማደሪያን፣ አቅሑት ኤሌክትሮኒክስን ኣቅሑት መለዋወጢ መኪናን ሰዓራይ ምዃኖም ካብ ዝተገለፀሎም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ዕድጊት ፈፂሞም ከቅርቡ ይግባእ፡፡

7 እቲ ቤት ፅሕፈት ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ 20 ሚኢታዊ ክውስክን ክንኪን ይክእል እዩ፡፡

8 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 05/09/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 21/09/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልትን ሰዓትን ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር እናወሰዱ ሐደ ኦርጀናልን ክልተ ኮፒን በበይኖም ብፖስታ ዓሺጎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ናብ ዝተዳለወ ሳፁን ከእትዉ አለዎም ፡፡

9 እቲ ጨረታ 21/09/2011 ዓም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ይኽፈት፤

10 ቤት ፅሕፈትና ካብዚ ወፃኢ ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0913-331379 ወይ 0914-748805 ወይ 0918-034591 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo