ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዉቅሮ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ንሆስፒታል ውቅሮ ግልጋሎት ዝውዕሉ ጋስኬት ናይ ኣወቶክሌብ ማዕፆ በሪ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ዝምልከተኩም መቅረብቲ በቲ አብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ጨረታ ረቋሒ መሰረት ክትወዳደሩ ንዕድም።

ሆስፒታል ዉቅሮ

1 ነዚ ዝምልከት ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድን ንግዲ ስራሕ መረዳእታ ዘቅርብ፤

2 ቫት ተመዝጋቢ ምዃኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

3 ብቢሮ ኤጀንሲ ልምዓት እቶት ናይ ግብሪ ከፋልቲ መለለይ ካርድ ቲን ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቅርቡን፤

4 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቅርብ፤

5 ናይ ጨረታ መከበሪ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርተፊኬት /ስፒኦ/ ወይ ብጥረ ገንዘብ 5000.00 ከትሕዝ ዝክእል፤

6 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ግልፂ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 05/09/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 19/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይምለስ ብር 30.00 ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይክእሉ።

7 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ነፀላን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ቫቱ ዊዝ ሆልዲንግ ሓዊሶም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ኣተዊ ይገብሩ።

8 ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ዉቅሮ ሆስፒታል ደ/ከ/ስ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 01 እዩ፡፡

9 እቲ ጨረታ ዕለት 19/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅደሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ዝክፈት ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም እንተተረኪቦም ይምረፅ።

10 ተጫረትቲ ካብቲ ዝቀረበ ሰፔስፊኬሽን ሳምፕልን ወፃኢ ምምላእ ዘይከኣል ምዃኑ ፈሊጦም ክወዳደሩ ዝክእሉ፤

11 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ዝተቀመጡ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይኑሎም መብርሂ (መማሓየሺ) እንተሃልዩዎም ናይ ጨረታ መክፈቲ ዕለት ቅድሚ ምብፅሑ ቅድሚ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብፅሑፍ ናብ ቤት ፅሕፈትና ከቅርብ ይክእል፤

12 ቤት ዕዮና ጨረታ ምስ ተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቱ ዝዕደግ ላውንድሪ ማሽንን መድረቅን በዝሒ ክሳብ 20% ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ፤

13 ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ኣቅሓ ማለት ላውንድሪ ማሽንን መድረቅን ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት መፅዓንን መራገፍን ናብ ሆስፒታል ፋርማሲ እሰቶር ኣታዊ ጌሮም ሒሳቦም ክዉስዱ ዝክእሉ፤

14 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ኣቅሓ ላውንድሪ ማሽንን መድረቅን ዉዕሊ ብምእሳር 10% ናይቲ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ መኸብሪ ብዝተረጋገፀ ባንኪ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዝብ ክትሕዙ ግዴታ አለዎም።

15 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-430057 ደዊልካ ሐበሬታ ምርካብ ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo