ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣገልግሎት እናሃበት ትርከብ መኪና ኮድ 4 01166 ንፅገና ዝውዕል መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ካብ ሕጋውያን መቅረብቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ

1 በቲ ዘፈር ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዋና ምስ ዘይምለስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለዎን መረዳእታ ዘቅርብን፤

3. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ ለካቲት ሒሳብ ዘቅረብኩምሉ መረዳእታ ዘቅርብን ፤

4. በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ መቅረባይነት ካርድ ከቅርብ ዝክእል

5 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ 2000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል፤

6 እዚ ጨረታ ካብ 02/09/2011ዓ/ም ክሳብ 16/09/2011ዓ/ም ኣብ ኣየር ይፀንሕ፣

7 እዚ ጨረታ 16/09/2011 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ይክፈት፡፡

8 ካብ 10000.00 ንላዕሊ እንተኮይኑ 2 ሚኢታዊ ዊዝ ሆልድ ክከፍል ዝክእል፤

9 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 01 ብነፃ ምዉሳድ ይከኣል ፤

10 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ 15 መዓልቲ እዩ፡፡

10 እቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 7 መዓልቲ ውዕሊ ብምእሳር ዘሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዚ ከቅርብ ኣለዎ፡

11 ናይ ዝግዛእ አቅሓ ከምአድላይነቱ ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰል አለና ፤

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-480183/480070 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo