ኮሚሽን ስነ-ምግባር ፀረ-ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ንበጀት ዓመት 2011 ዝ/ዩ ቀወምቲ ንብረት /ፈርኒቸር/ ተሽከርካሪ ወንበር፣ ማናጀሪያል ሌዘር ተሽከርካሪ ወንበር፣ ኦፊስ ሸልፍ፣ ኤልሼፕ ጠረጴዛ፣ ጠረጴዛ በዓል ሓደ ተስሓቢ ብጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ:: ስለዚ እቲ ዝተጠቐሰ እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም::

ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክልል ትግራይ

1 ናይ ዘመኑ ግበሪ ዝኸፈለ መረዳእታ ኣብ ሓደ ገፅ ከቕርብ ዝኽእል::

2 ኣብ ቢሮ ፋይ/ ኢኮ /ልምዓት ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበሉ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቅርበ ዝክእል፤

3 ቫትን(VAT) ዝተመዝገበሉ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌይሮም ከቅርቡ ዝክእል፤

4 ቲን ቁፅሪ ዘለዎን ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቅርቡ ዝክእሉን፤

5 ናይ ወርሒ መጋቢት 2011 ዓ/ም ዲክለሬሽን ከቅርብ ዝክእል::

6 ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ወይ ብጥረ ገንዘብ 5000.00ሽሕ ቅርሺ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝኽእል::

7 ዝተዳለወ ጨረታ ደኩመንት ካብ ኮሚሽን ቢሮ ቑፅሪ 261 ዕ/ፋ/ምም/ር ንብረት ዘይምለስ ብር 30.00 ከፊሎም ክወሰዱ ይኽእሉ

8 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሕሉ ካብ ዕለት 30/08/2011ዓ/ም ክሳብ 14/09/2011ዓ/ም ዓ/ም ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል።

9 ጨረታ ዕለት 14/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድ/ቐትሪ ዝዕፆ ይኸዉን::

10 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 14/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድ/ቐትሪ ይኽዉን::

11 ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ን20 መዓልቲ ይኸውን።

12 ኩሉ ጨረታ ተወዳደራይ አብቲ ዝተነፀረ ግዜ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት።

13 ጨረታ ብሸምዒ ዝተአሸገ ናይ ሕድሕድ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ብንፁር የቅምጥ::

14 ሰዓራይ ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስርሕ መዓልቲ ዉዕሊ ይአስር::

15 ሰዓራይ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ ኮሚሽንና ከቕርብ ዝኽእል::

16 ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፈተነ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዝኾኑ ንቐፃሊ ኣብ ዕዳጋ መንግስቲ ንከይሳተፍ ከምዝግበርን ዘትሓዝዎ መክበሪ ጨረታ ከምዝዉረስን::

17 እቲ ኮሚሽን ዝሓሸ መማረፂ ተረኺቡ ብክፋል ይኹን በሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ

18 ድሕሪ ምዕፃዉ ጨረታ ንዝመፅእ ሰነድ ጨረታ ተቐባልነት ከምዘይህሉ::

19 አብ ሰነድ ጨረታ ግልፂ ንዘይኾኑ ሐሳባት ብመብራህርሁ ብፅሑፍ ምሕታት ከምዝከአል::

20 ንተወሳኪ ሐበሬታ አብ ኮሚሽና ጥቓ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ናይ ሓባር ህንፃ 1 ደብሪ ቢሮ ቐፅሪ 261 ብኣካል ብምምፃእ ወይ ብስልኪ ቑፅሪ 0344-404417 ምሕታት ይካኣል::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo