ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጂን ክልል ትግራይ ነቲ ኤጀንሲ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ኮምፒዩተር ላፕቶፕን መለዋወጢ ተዛመዲ ኣቅሑትን ወይ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ፣ ብግልፂ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ በቲ ዘፈር ዝተዋፈርኩም ሕጋዊያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም።

ኤጀንሲ ማዕድን ኤነርጂ ክልል ትግራይ

ተማልእዎም ዝግብኦም ረቋሕታት

1 ናይ 2011ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ መቅረባይነት ዘሐደስኩም፤ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ (ቲን ናምበር) ዘለኩም፤

2 ተመዝገብቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾኑን ናይ ወርሒ መጋቢት 2011ዓ/ም ተወሳኺ እሴት ታክሰ ዝተመዝገቡሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

3 ተጫረቲ ናይ መኸበሪ ጨረታ ንፈርኒቸር 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣  ኮምፒዩተር ላፕቶፕን መለዋወጢ ተዛመዲ ኣቅሑትን ወይ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣  ከትሕዝ ዝክእል፤

4 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዝርዝር መመርሒን ጨረታን ንነብሲ ወከፍ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 20.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማልት) ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጂን ቢሮ ቁፅሪ 115 ምውሳድ ይከኣል።

5 ሰነድ ጨረታ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 14/09/2011 ዓ/ም 3:30 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 14/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ይኸውን።

6 ጨረታ ዝሰዓሩ መቅረበቲ ዝሰዓርዎ ንበረት ብናይ ባዕሎም ወፃኢ መጓዓዝያን መፅዓንን  መራገፍን ሸፊኖም ናብ ቤት ዕዮና የቅርቡ።

7 ተጫራቲ ውዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ንብረት ከእትው ይግባእ፡፡

8 ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር መረዳእታ መርኣያ መሰረት ፅሬቶም ዝሓለው ምዃኖም ኣረጋጊፁ ክመልእ ይግባእ።

9 ካብቲ ዝተቀመጠ ረቋሒ ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ ተባሂሉ ዋጋ ከቀምጥን ኣብቲ ዝርዝር መረዳእታ ዘይተነፀረ ንብረት ምቅማጥ ኣይፍቀድን።

10 እቲ ጨረታ 20% ናይ ምወሳኽን ምቅናስን መሰል ኣለዎ።

11 ተጫረታይ ዘቅረቦ ዋጋ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሓዊሱ ወይ ዘይሓዊሰ ምዃኑ እንተመላኺቱ ተወሳኺ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰ ተገይሩ ይቁፀር።

12 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀነሓሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ንተከታተልቲ 30 መዓልቲ ይኸውን።

13 ተጫረቲ ዝተዓሸገ ፖሰታ ዋናን ቅዳሕን ብዝብል ብምግባር ከቅርቡ ኣለዎም።

14 እቲ ቤት ዕዮ ቅድመ ክፍሊት ኣይህብን፡፡

14 ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ካብ ቤት ፅሕፈትና ነትርፍ ምዃና ነፍልጥ።

15 ጨረታ በዘይ ኣግባብ ከዛብዕ ዝፈተነ ኣብ ዝኾነ ጨረታ ከይሳተፉ ዘኽይድ ስጉምቲ ዘስዕብ ምዃኑ ክፈልጡ ይግበእ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-401209 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo