ኣብ ቤት ፅሕፈትና ንዝርከባ ተሽከርከርቲ መካይን ንበጀት ዓመት 2008 ዓ ∙ም መቀያየሪ ኣቁሑት ፣ናይ መካይን ጎማ ፣ሃላቂ መሳረሒ ፅሕፈት ኣናእሽተይ መሳርሕን ተዛመድትን

ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ

ኣብ ቤት ፅሕፈትና ንዝርከባ ተሽከርከርቲ  መካይን ንበጀት ዓመት  2008 ዓ ∙ም መቀያየሪ ኣቁሑት  ፣ናይ መካይን ጎማ ፣ሃላቂ መሳረሒ ፅሕፈት ኣናእሽተይ መሳርሕን ተዛመድትን በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ከካይድ ስለ ዝደሊ እዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንዉድድር ይዕድም

ግልፂ ጨረታ ምድበ 002/ 01 ናይ መኪና መቀያየሪ  ኣቁሑት

ግልፂ ጨረታ ምድብ 002 /02 ናይ መካይን ጎማ

ግልፂ ጨረታ ምድብ 002 /03 ሃላቂ መሳርሒ ፅሕፈትን ኣናእሽተይ መሳርሕን ተዛመድትን

  1. በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ  ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ  ዘለዎም፣ ኣብ ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ፣መለለዩ ቁፅሪ ግብሪ ከፋሊ TIN ዘለዎ፣ተወሳኪ እሴት ታክስ V.A.T ተመዝገብቲ ዝኮኑን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2007 ዓ ም ድከሌር ዝገበረን መረዳእታ ዘቅርብን
  2. ርክክብ ንብረት ዝግበረሉ ቦታ ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ይከዉን
  3. ኣብቲ ጨረታ ኣሸናፊ ዝኮነ ተወዳዳሪ ንዘለዋና መካይን ግልጋሎት ፅገና ዝዉዕል መቀያየሪ ኣቁሑት ብሕድሕድ ሞዴል ዝርዝር  መገለፂ / ስፐስፊኬሽን / ፣ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ኣናእሽታይ መሳርሕን ተዛመድትን በቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተገለፀ ናይ ምቅራብን ዘቅረቦ ኣቁሑት ብሰብ ሞያ ናይ ምርግጋፅን ሓለፍነት ዝወስድ ኣፈቲሹ ኣረጋጊፁ ዘቅርብ  ዘረክብ
  4. ጨረታ ኣብ ኣየር ዝዉዕለሉ እዋን ካብ ዕለት 01/ 02/ 2008 ዓ ም ክሳብ 22 /02/ 2008 ዓ ም ንተከታታሊ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ኣየር ይፀንሕ
  5. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 22/ 02 /2008 ዓ ም ሰዓት 2 ፡30 ናይ ንጎሆ
  6. ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 22/ 02 /2008 ዓ ም ሰዓት 3 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ
  7. ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ቁፅሪ 11 ጉጅለ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳርን ዘየምለስ ብር 50 ቅርሺ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ እንዳከፈሉ ምግዛእ ይክእሉ
  8. ተወዳደርቲ መክበሪ ጨረታ ብር 3000 ብጥረ ገንዘብ ፣ብ ሲፒኦ ንሕድሕድ ጨረታ ከትሕዙ ዝክእሉ
  9. ሰነድ ጨረታ  ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ካብ ዕለት 01 /02 /2008 ዓ ም ክሳብ 22 /02 /2008 ዓ ም ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኣታዊ ይገብር
  10. ተወዳደርቲ ዘቅርብዎ ዋጋን ካልኦት ሰነዳት ብቋንቋ ትግርኛ ይከዉን
  11. ተወዳደርቲ ቤት ፅፈትና ንዝሓቶም  መረዳእታታት ዋና ቅዳሕን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  12. ቤት ፅሕፈትና ኣብ ሰነድ ጨረታ ኣብ ሕድሕድ ኣይተም 20 % ናይ ምዉሳክ ወይ መቅናስ መሰል ኣለዎ
  13. ኣብ ጨረታ አሸናፊ ዝኮነ ተወዳደሪ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናበ ሑመራ ከረክቡ ዝክእሉ
  14. ተወዳደርቲ ኣብ ላዕሊ ብዝተገለፀ መሰረት ብሕድሕድ ዘርፊ ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ሳንዱቅ ኣታዊ ብምግባር ዋና መረዳእታ ንግዲ ፍቃድ ፣ቲን ፣ቫት ካልኦትን ኣብ እዋን ምክፋት ጨረታ ሒዞም ክርከቡ ኣለዎም
  15. ቤት ፀሕፈትና እዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዊ እዩ
  16. ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344480001 /17 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo