ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት ዝ/ዩ ዓቅሚ መዕበይን ምምዕባልን ስረሕቲ ንብረታት ንምድብ 1- ኣድቫንስድ ኦፊስ ማሽን ሃርድዌር ኤሌክትሮኒክስ ኢክፑመንት ፅገና ስልጠና ምድብ 2 ናይ ኤሌክትሮኒክስ መለዋወጢን ፅገናን መሳርሒ ኣቅሑትን ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ምድብ 1 ከሰልጥን ንምድብ 2 ክዕድግ ይደሊ።

ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ርክብን ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

3 ንተወሳኪ እሴት ታከስ /VAT/ ዝተመዝገቡ ኮይኑ VAT ምዝገባ ሰርተፊኬት ናይ ለካቲት/ መጋቢት 2011 ዓ/ም ቫት ድክለሬሽን ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምዃኑን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ ናብ ስራሕ ከኣቱ ዝክእል፤

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝኽእል፤

7 ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ዘይምለስ ብር 50.00 (ሓምሳ ቅርሺ) ጥራሕ እናከፈሉ ካብ ናይ ኤጀንሲና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቑፅሪ 6 ካብ ዕለት 25/08/2011 ዓ/ም ክሳብ 09/09/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚእኩም ክትወዳደሩ ትክእሉ፤

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ሰነድ ጨረታ ንሕድሕድ ሰነድ ብር 5000.00ብር ብሸም ኤጀንስና ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን ክልል ትግራይ / Information Communication Technology Agency / ብCPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ኤጀንስና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል፤

9 ተጫረቲ በቲ ስፔስፊኬሽን መሰረት ቲኦኣር እቲ ስልጠና ክህብን እቲ ዝቀርብ ንብረት ድማ ከቅርብ ዝክእል፤

10 እቲ ዝወሃብ ስልጠና ንምድብ 1 80 ሚኢታዊ ተግባራዊ ስልጠና እንትከውን 20 ሚኢታዊ ድማ ብፅሑፍ ብቲኦሪ ዝወሃብ ይከውን፡፡

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ጨረታ ተራእዩ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 60 ናይ ስራሕ መዓልቲ ይከውን፡፡

12 እቲ ጨረታ ዕለት 09/09/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 9:00 ቅ/ሰዓት ኣብ ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ርክብን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ደጀን ቢሮ ቑፅሪ 6 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት።

13 ንምድብ 1 ንነብሲወከፍ ዝቀረበ ዋጋ ሰዓራይ ሓደ እንተዘይኮይኑ ብድምር ዝቀረበ ዋጋ ብምውድዳር ሰዓራይ ይፍለ፡፡

14 ኤጀንሲና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

15 እቲ ጨረታ ምስ ተከፈተ ኤጀንስና ናይ መሰልጠንን ንብረትን ዋጋ መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ ክዉስክ ይክእል እዩ፡፡

12 ሰዓራይ እቲ ዝሰርሖ ናይ ስልጠና ስራሕቲ ይኹን ንብረት ብበዓል ሞያ (ብፅሬት መረጋገፂ ኮሚቴ) ተፈቲሹ ትክክለኛነቱን ምስ ተረጋገፀ ጥራሕ ክፍሊት ይፍፀም።

ሐበሬታ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0342-400527 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo