ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ፋፂ ቱቦን መገጣጠሚን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ፋፂ

1 ምስቲ ስራሕ ኣግባብነት ዘለዎ ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ፤

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘቅርቡ፤

3 ምዝጉባት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑ፤ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለዎም፤

4 መክበሪ ጨረታ ብር 5000 / ሓሙሽተ ሽሕ / ኣፍልጦ ካብ ዝተውሃቦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

5 ተጫረቲ ምሽናፎም ምስተነገሮም ኣብ 5 መዓልቲ ዉሽጢ ዉዕል ክኣስሩ ዝክእሉ፤

6 ተጫረቲ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ዝርዝር ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ካብ 28/08/2011 ዓ/ም ክሳብ 16/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 11፡30 ክወስዱ ዝክእሉ ኮይኖም ጨረታ ዕለት 17/09/2011ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ብዘለዉዎ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ማይ ግልጋሎት ከተማ ፋፂ ዝክፈት ይከዉን፡፡

7 ዘእትዉዎ ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይ ድርጀቶም ማህተምን ፊርማን ብዘለዎ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ፡፡

8 ኣብቲ ዝመልእዎ ዶኩመንት ናይ ቤት ፅሕፈት ማህተም ዝዓረፎ ብኦርጅናል ተመሊኡ ዝቀረበ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ፡፡

9 ተጫረቲ ዘድሊ መረዳእታ ኦርጅናል ኮፒን ፖስታ ፈላልዩም ከቅረቡ አለዎም፡፡

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

11 ተወሳኪሓበሬተብስቁ 0344340220/ 0914765388 / 0914777483 ይጠይቁ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo