ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ንቤት ፅሕፈቱ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ኣቅሑት መሳርሒ ህንፃ፣ ባህርዛፍ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣቅሑትን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ፤

ማእከል ቤት ሕንፀት ራያ አላማጣ

ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲን ግብሪ ዝኸፈለን፣ናይ መቅረባይነት ዘለዎ ምዃኑ መረጋገፂ ዋናን ቅዳሕን ኣብ ፖስታ ዓሺጉ ከቅርብ ዝኽእል ፤

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ተመዝጋቢ ምዃኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

3 መኸበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል፤

4 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 50.00 (ሓምሳ ቅርሺ) ብምክፋል ደ/ከ/ስ/ዐ/ፋ/ምም/ር/ንብረት ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ እናመፃእኩም ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።

5 እዚ ጨረታ ካብ 22/08/2011ዓ/ም ክሳብ 07/09/2011ዓ/ም ቀዳምን ሰንበትን በዓል ሓዊሱ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ እዚ ጨረታ 07/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት።

6 ዝሰዓረ ተጫራታይ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ውዕሊ ይኣስር፡፡

7 ነዚ ጨረታ ከዛብዕ ዝፈተነ ተጫራታይ ካብ ምብራር ሓሊፉ ኣብ ዝኾነ ጨረታ ከይሳተፍ ደብዳቤ ይፅሓፈሉን ቢድ ቦንዱ ይውረስን።

8 እዚ ጨረታ ምስተከፈተ ካብቲ ጨረታ ምግላል ኣይፍቀድን፡፡

9 እዚ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10 ናይ 2ይን 3ይን ሰዓራይ ክሳብ 1ይ ሰዓራይ ውዕሊ ዝኣሰር መኸበሪ ጨረታ ( ቢድ ቦንድ) ተተሓሒዙ ይፀንሕ።

11 እቲ ጨረታ 20 ሚኢታዊ ናይ መቅናስን ምውሳክን መሰል ኣለዎ፡፡

12 ጨረታ ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ኣብ ሓዱሽ ፕሮጀክት

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-785717/0931/273282/0347-740587 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo