ኣብ ዞባ ምብራቅ ከተማ ዉቅሮ ጣብያ ሓየሎም ዕዳጋ ከፍቲ ከስርሕ ስለዝደለየ ነዚ ንምስራሕ ደራጃ 8 ኣናእሽተይ ጥራሕ ፍቃድ ስራሕ ዘለኩም ኮንስተራክሽን ሕብረት ሽርክና ማሕበራት

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ዉቅሮ

ኣብ  ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን  ከተማ  ዉቅሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን  ኣብ ናይ 2008 በጀት  ዓመት  ኣብ ዞባ ምብራቅ ከተማ ዉቅሮ ጣብያ ሓየሎም ዕዳጋ ከፍቲ ከስርሕ ስለዝደለየ ነዚ ንምስራሕ ደራጃ 8 ኣናእሽተይ ጥራሕ ፍቃድ ስራሕ ዘለኩም ኮንስተራክሽን ሕብረት ሽርክና ማሕበራት ክትጨራቱ ይዕድም

ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ሲዒቦም ዝተገለፁ  ረቋሕታት  ከማልኡ ይግባእ

  1. ናይ 2007 ዓ ም ናይ ስራሕ ግብሪ ዝከፈሉን ፍቃድ ዘሐደሱን ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጋዕዝያን  ክልል ትገራይ ዝርከብ ቀንዲ ከይዲ ስራሕ ኮንስትራክሽንን ቁፅፅርን ምዝገባን ፍቃድን ዝተመዝገብሉ  መረዳእታ ዘቅርቡ
  2. ናይ ቫት ማለት እዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብሉ ምስክር ወረቀት ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቫት ዲክላራሽን  መረዳእታ ዘለዎም
  3. ብር 15000 ቅርሺ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ጨረታ ዉሕስና ካብ ዝተፈለጠ  መድሕን ዉሕስና ትካል ወይንድማ ካብ ባንኪ ብዝተዉሃቦ ዝተረጋገፀ ቼክ  ወይነድማ ሲፒኦ ከቅርቡ ዝክእሉ
  4. ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ዕዳጋ ከፍቲ ስራሕቲ ሳይት  ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ161 ተከታተልቲ መዓልትታት ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም
  5. ኩሎም ተጫረቲ ክጫረትሉ ናይ ዝደለይዎ ህንፃ ፕሮጀክት ጨረታ ሰነድ  ካብ 20 መስከረም 2008 ዓ ም ጀሚሮ ካብ  ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን  ከተማ  ዉቅሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን   ኣድላዩ  መረዳእታታት ብምሓዝ ዘይምለስ  200 ቅርሺ ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ እዮም
  6. ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትዎ ተፋሰስ ዋጋ ዝሓዘ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ናይ ጨረታ ዉሕስና  ዝሓዙ ሰነዳት ኣበ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ዓሺጎም ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ዋና ወይንድማ ቅዳሕ ተባሂሉ ክፃሓፈሎምን ኮሎም ፖስታታት  ኣብ ካልእ ዓብዮ ፖስታ መሊሶም  ብምዕሻግ  ነቲ ጨረታ ተባሂሉ  ኣብ ሓዱሽ ህንፃ ምምሕዳር ከተማ ዉቅሮ ኣብ ካልኣይ ደብሪ የማናይ ክፍሊ ቁፅሪ 3 ናብ  ዝተዳለወ  ሳንዱቅ ጨረታ ክሰብ 19 ጥቅምቲ 2008ዓ ም ሰዓት 8 ፡00 ናይ  ድሕሪ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ እዮም
  7. ተጫረቲ ኣብቲ  ጨረታ  ሰነድ ብተጫረቲ ክምልኡ ዝቀረቡ ቅጥዕታት  ብሙሉኦም ብትክክል መሊኦም እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከየጋደሉ ከቅርቡ አለዎም። ዝተጋደለን ብትክክል ዘይተማለአን ሰንድ ጨረታ ወፃኢ የግብር እዮ።
  8. እቶም ጨረታታት ኩሎም ተጨረቲ ወይንድማ ሕጋዊ ወከልቶመ ኣብ ዝተረከብሉ 19 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ልክስ ሰዓት 8 ፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብቲ ቅድም ኢሉ ዝተገለፀ ኣድራሻ ክክፈት እዩ
  9. እቲ ከይኪዲ ስራሕ ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
  10. ንተወሳኪ  ሓበሬታ ናብ  ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን  ከተማ  ዉቅሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን   ብኣካል ብምርካብ ወይንድማ ብቁፅሪ ስልኪ 0344431142  ብምድዋል ምሕታት ይካአል

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo