ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ኣብ 2011 በጀት ዓመት ካብ ULGDP ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ፤ በዚ መሰረት ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ፤

ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይዚ ዘመን ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድን ቅዳሕ ከቅርብ ዝኽእል፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ / Tin/ ን VAT ንሰርቲፊኬት ኮፒ ዘቅርብ፤

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ መጋቢት2011ዓ/ም ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል፤

4 ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምዃኑ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር ዋናን ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል፤

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ እቲ ንብረት ብፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል፤

6 ናይ መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ።

7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100.00 ብር እናፈልኩም ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ዳይሬክተራት ዕ/ፋይ/ን/ምም/ር /ንብረትን 2-19 ወይ 2-01 ካብ 22/08/2011ዓ/ም ክሳብ 06/09/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜያት ኣብ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይኽእል።

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ መኸበሪ ንነብሲ ወከፍ ሰነድ ጨረታ 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ብሽም ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብሲፒኦ ወይድማ ብጥረገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታው ይከኣል፤

9 እቲ ጨረታ 06/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ሰዓት 9፡00 ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ዳይሬክተራት ዕ/ፋይ/ን/ምም/ር /ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 219 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት::

10 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

11 እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት 20% ናይ ምውሳኽ ወይ ናይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ።

12 ሰዓራይ እቲ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ብበዓል ሞያ ቲሓር/ICT/ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣተዊ ይከውን፡፡

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-4105291/0344-415152 / ናይ ውሽጢ መስመር ስልኪ 227 ወይ 265 ደዊልካ ምሕታት ይከአል እዩ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo