ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን ክልል ትግራይ ኣብ 2011 በጀት ዓመት ዝተትሓዘ ምዕዳግን ኣቅሑትን፣ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ኔትዎርክን ማለት ምድብ 1 ንዳታ ማእከል መስፋሕፈሒ ዘገልግሉ ናይ ኔትዎርክ ኣቅሑት፣ ምድብ 2 ሳፕላይ ኤንድ ኔትዎርክ ኢንስታሌሽን ኣንድ ኮንፊጌሬሽን ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ከስርሕን ይደሊ።

ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

3 ንተወሳኪ እሴት ታከስ /VAT/ ዝተመዝገቡ ኮይኑ VAT ምዝገባ ሰርተፊኬት ናይ ለካቲት/ መጋቢት 2011 ዓ/ም ቫት ድክለሬሽን ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ ናብ ስራሕ ከኣቱ ዝክእል፤

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝኽእል፤

7 ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ዘይምለስ ብር 50.00 (ሓምሳ ቅርሺ) ጥራሕ እናከፈሉ ካብ ናይ ኤጀንሲና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቑፅሪ 6 ካብ ዕለት 22/08/2011 ዓ/ም ክሳብ 07/09/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚእኩም ክትወዳደሩ ትክእሉ፤

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ሰነድ ጨረታ ንምድብ1 ንምድብ 2ተ ብር 20000.00ብር 4500.00 ብቅደም ሰዓብ ብሸም ኤጀንስና ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን ክልል ትግራይ / Information Communication Technology Agency / CPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ኤጀንስና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል፤

9 ተጫረቲ በቲ መምርሒ መሰረት ንብረት ኣታዊ ክገብሩ ዝክእሉ፤ ተጫረቲ ንምድብ  2 ወይ ሎት 2 ሞያ ስራሕቲ ዋጋን ነንበይኑ ከቅርቡ ይግባእ፡፡

10 ዘቅረብዎ ናይ ንብረት ዋጋ ቅብሊት ሰሪሖም ከቅርቡ ዝክእሉ፡

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ጨረታ ተራእዩ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 60 ናይ ስራሕ መዓልቲ ይከውን፡፡

12 እቲ ጨረታ ዕለት 07/09/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:00 ቅ/ሰዓት ኣብ ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ርክብን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ደጀን ቢሮ ቑፅሪ 6 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት።

13 ኤጀንሲና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

14 እቲ ጨረታ ምስ ተከፈተ ኤጀንስና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ ክዉስክ ይክእል እዩ፡፡

12 ሰዓራይ እቲ ዝሰርሖ ኢንስታሌሽን ስራሕቲ ይኹን ንብረት ብበዓል ሞያ ( ብፅሬት መረጋገፂ ኮሚቴ) ተፈቲሹ ትክክለኛነቱን ምስ ተረጋገፀ ጥራሕ ክፍሊት ይፍፀም።

ሐበሬታ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0342-400527 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo