ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ንዝ/ዩ ኣበያተ ፅሕፈት ኣገልግሎት ዝውዕሉ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ፣ ናውቲ ኣይሲቲ፣ ሞተር ሳይክልን ፣ ተክልታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲን ዘለዎን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዋናን ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዋናን ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መረዳእታ መቅረባይነት ዘለዎን ዋናን ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

4 መረዳእታ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዋናን ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ናይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓ/ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

6 ሰነድ ጨረታ ካብ 22/08/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 07/09/2011ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ሽረ እንዳሰላሴ ቀበሌ 01 ቢሮ ቁፅሪ 18 ብምምፃእ ዘይምለስ 60.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል፤

7 እቲ ጨረታ 07/09/2011 ሰዓት 8:00 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት።

8 እቲ ሰነድ ጨረታ በቲ ምልክታ መሰረት ኣማሊኡ እንተቀሪቡ ተጫረቲ ብዘይለውሉ ንምኽፋት ዝዓግቶ ነገር የለን።

9 መከበሪ ጨረታ ንኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ፣ ናውቲ ኣይሲቲ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንሞተር ሳይክልን 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንተክልታት 8000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ብጥረ ገንዝብ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ስፒኦ ከትሕዝ አለዎ፤

10 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀ ብመሰረት መምርሒ ዕደጋ መሰረት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

11 ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይ በዓሎም ፊርማን ማህተምን ኣብ ነብስ ወከፈ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርብ ይግባእ፤

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ይኩን ብክፈል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-444916/0344-442866 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo