ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ዝ/ዩ ዘገልገሉ ቀወምቲ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ

ኣብቲ ጨረታ ክካፈል ዝደሊ ኣቕራቢ ከማልኦ ዝግባእ ሮቑሒታት

1 ናይ ምጭራት ዓቅሚ ዘለዎ ኩሉ ምስታፍ ዝክእል ምዃኑ፤

2 እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 15/08/2011ዓ/ም ክሳብ 07/09/2011ዓ/ም ንተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ጨረታ ሰነድ ብምግዛእ ከጫረት ዝክእል፤

3 ጨረታ ሰነድ መግዝኢ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ምውሳድ ይክእል፤

4 ተጫራቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ብር 500.00 ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

5 ተጫራቲ እቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ካብ ዝሰዓርዎ ዕለት  ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ከልዕል ዝክእልን እንተዘይኣልዒሉ ድማ ዘትሓዞ ጨረታ መከበሪ ብሕጊ ፋይናንስ መሰረት ይውረስ፡፡

6 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 07/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ይክፈት

7 ተጫራታይ ንዘሸነፎ ንበረት ናይ ጉልበት ዋጋ ይኩን ንዝምዘኑ ንብረታት ናይ ሚዛን ኪራይ ወይ ካልኦት ወፃኢታት ብሙሉኦም ባዕሉ ክሽፍን ዝክእል፤

8 ናይቲ ንብረት በዝሒ ክቅንስን ክውስክን ስለዝክእል እዚ ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ክጫረት ዝክእል፤

9 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋክል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ኣድራሻና ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ ዝርከበሉ ቦታ ጥቃ ፎቶ ደስታን ጥዕና ጣብያን መቐለ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-419467 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo