ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ጥላሁን ይግዛዉ ንስልጠና ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ / Desk top computer, Photo copy, projector, laptop computer/ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ጥላሁን ይግዛዉ ቴክኒክን ሞያን ኮሌጅ

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግድን መቅረባይነትን ወረቀት ምስክር ዘለኩም፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ወረቀት ምስክር ዘለኩም፤

3 ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ ወረቀት ምስክር ናይ ወርሒ መጋቢት ወርሓዊ ድክሌር ዝገበርኹም መረዳእታን እተቕርቡ:: ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ከቅርብ ዝክእል፤

4 መቅረባይ ሰዓራይ ምካኑ ምስተነገሮ ድሕሪ 15ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሩ ዘሸነፎ ንብረት ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ከቕርብ ዝኽእል::

5 ኮሌጅና ካብ ዝተኣሰረ ጠቅላላ ውዕሊ ብክፋል ርክክብ ክፍፅም ኣይግደድን፤

6 መወዳደሪ ዶክመንት ዝወሰዶ ሰነድ ነፂሉ እንተትሪፉ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይግበር፡፡

7 መወዳደሪ ደኩመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ ነብሰ ወክፍ ገፅ ሰነድ ጨረታ ናይቲ መቅረባይ ትካል ሽምን ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ብምግባር ምቅራብ ዝክእል::

8 ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 25.00 ቅርሺ እናኸፈልኵም ካብ ጥላሁን ይግዛዉ ቴክኒክን ሞያን ኮሌጅ ደ /ከ /ስ / ዕ ፋ/ንብረት /ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 2 ብምዉሳድ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ብሽምዒ ዝተኣሸገ ፖስታ ካብ 16/08/2011ዓ/ም ክሳብ 30/08/2011 ዓ/ም ምእታዉ ትክእሉ፤

9 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኮይኑ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት ንሱ ሰዓት 4:00 ይክፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ብዘይ ምቅራቦም ምክፋት ጨረታ ኣይተዓናቀፍን ወይ እዉን ከይተከፈተ ዝምለስ ሰነድ ጨረታ ኣይህልዉን፤

10 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ኣብ ዘለዉ 30 መዓልቲ ይከዉን፤

11 ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ንነብሰወከፍ መከበሪ ጨረታ ሰነድ ጨረታ ዝምለስ 5000.00 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ ከዓ ካብ ብሔራዊ ባንኪ ኢትዩጰያ ኣፍለጦ ዝተዉሃቦ ባንኪ ብዝትረጋገፀ ስፒኦ አቀዲሙ ከትሕዝ ዝክእል፤

11 ኮሌጅና ኣብ ሕድሕድ በዝሒ ንብረት 20 ምእታዊ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ይክእል፤

12 ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሐበሬታ ስልኪ 034 7-77 1828 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo