ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርቲ ስልጠናን ነጋ ገ/ዝጋብሔር ዕዳጋ ዓርቢ ንምምሃርን ምስትምሃርን ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ቀወምትን ሃለቅትን ንብረታት ክዕድግ ስለዝደለየ በዚ መሰረት ድማ

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ነጋ ገ/ኣበሄር ዕ/ዓርቢ

ሎት 1 መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኣቁሑ ፅሬት

ሎት 2 ኤሌክትሮኒክስ ካልኦት ንብረታትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሕጋውያን መቅረብቲ ንኽትወዳደሩ ይዕድም።

ናይ ጨረታ መምርሒ                 

1 ናይ 2010ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈለን 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎን

2 መለለይ ቁፅሪ ኸፋላይ ግብሪ ዘለዎም ዝተሓደሰ ወረቐት ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝኽእል

3 ተወሰኺ እሴት ታክስ ዝኾነን ናይ ወርሒ ለካቲት 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል

4 መክበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ይዅን ኣብ እዋኑ ዝተረጋገፀ ሰርቲፋይድ ቼክ ወይ CPO ክትሕዝዝኽእል ሎት 1 ብር 5000.00 (ሐምሽት ሽሕ ቅርሺ) ሎት 2. ብር 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ክትሕዝ ዝኽእል፤

5 ንኹሎም ዓይነታት ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 50.00 ብምኽፋል ከብ ክ/ስ/ዕ/ፉ/ን/ምም/ርን ቁፅሪ ቢሮ 9 ካብ ዕለት 14/08/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 02/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 6.00 ምውሳድ ዝከኣል ምኻኑ፤

6 ሰዓራይ ጨረታ ንዝሰዓሮ ንብረት ምስ ተገለፀሉ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ ።ድሕሪ ውዕሊ ምእሳሩ እቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5ተ ናይ ስራሐ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዝያን መራገፍን ፅሬቱ ብቴክኒክ ኮምቴ ምስተረጋገፀ ናብ ነይ ኮሌጅናን መኽዚን ጠቅሊሉ ምስ ኣረከበ ክፍሊት ዝፍፀመሉ ይኸውን።

7 ሰዓረቲ ጨረታ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ዋጋ 10% ውዕሊ መኽበሪ ክትሕዙ ዝኽእሉ፤

8 ኣብቲ ዝርዝር ጨረታ ቅሬታ ኣለኒ ዝብል ተወዳዳራይ ኣሸናፊን ተሸናፊን ድሕሪ ምግላፁ ኣብ ውሽጢ 3ተ ስራሕ መዓልቲ ቅሬትኡ ብፅሑፍ ከቕርብ ኣለዎ

9 ኣብ እዋን ጨረታ ነቲ ጨረታ ዘዛብዐን ከዛብዕን ዝፈተነ ብሕጊ ተሓተቲ ይኸውን።

10 ተጫረቲ ዝወዳደርሉ ዓይነት ንብረት ኣብቲ ዝተዳለወ ቅጥዒ ጥራሕ ክመልኡን ስርዝ ድልዝ ዘይፍቀድ ምካኑን ብዘየሻሚ ግልፂ ብዝኾነ ክፅሓፍ ከምዘለዎ ብተወሳኺ እውን ንኹሎም ሰነዳት ብሽምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ ክቐርብ ኣለዎ፡፡

11 ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ዝኾነ ይኹን ተጫራታይ ካብቲ ጨረታ ዓርሱ ከግልል ዘይኽእል ምኻኑ፤

12 አዚ ጨረታ እዚ ዕለት 02/09/2011 ዓ.ም ሰዓት 6.00 ቅድሚ ቀትሪ በቲ ዕለት ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8.00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት

13 ኮሌጅና ጨረታ ምስ ተኸፈተ ከም ኣድላይነቱ ነይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክውስኽን ክቅንስን ዝኽእል ምኻኑ፤

14 ኮሌጅና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ አዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346-460314 ወይ 0343-460023 ምሕተት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo