ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ኣብቲ ወረዳ ንዝርከብ ሴክተር ቤት ፅሕፈት መንገዲ ኮንስትራክሽን ኣገልግሎት ዝዉዕል ኣብቲ ወረዳ ንዝርከብ ካብ ጣብያ ዳንቃላ ናብ ፅራሌ ዝወስድ መንገዲ ክንፀርግ ስለዝደለና ካብዚ ቀፂሎም ንዝተዘርዘሩ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክካረ ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ

ሎት 1 ክራይ ዶዘር፣ በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ከስርሕ ይደሊ፡፡

1 በቲ ዘፈር ናይ ማሽነሪ ኣካራይ ተካራይን ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም፤

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ንምዃኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ዘለዎ፤

4 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል፤

5 ናይ መጋቢት ወርሒ 2011 ዓ/ም ወርሓዊ ሒሳብ ዘወራረድሉ ዲክለሬር ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

6 ናይ ጨረታ መከበሪ 10000.00 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ቼክ ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል፤

7 10 ሚኢታዊ ናይ ጨረታ መከበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒአ ወይ ቼክ ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል፤ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

8 እቲ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ጀሚሩ ን 40 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ፤

9 ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ፌርማ:ስምን :ኣድራሻን :ማህተምን ክህልዎ አለዎ፤

10 እቲ ሰነድ ጨረታ ብዘይ ሰርዝ ድልዝ ክምልእ አለዎ፤

11 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ነንብይኑ ብዝተዓሸገ ብክልተ ፖስታ ከቀርብ አለዎ፤

12 ጨረታ ምስተከፈተ ዓርስካ ካብቲ ጨረታ ምግላል ኣይፍቀድን፤

13 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ካብ 11/08/2011 ዓ/ም ክሳብ 25/08/2011 ዓ/ም ኣብ ሰራሕ ሰዓት እቲ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል፤

14 እቲ ጨረታ 25/08/2011 ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ይከፈት፤

15 ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ዝርዝር ረቆሒታት ኣብ መምርሒ ጨረታ ምርኣይ ይከኣል፤

16 ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345-510044 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo