ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓብይ ዓዲ ን2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ሃለቕቲ ቀወምትን ንብረት ናይ ፅሕፈት መሳርሒን: ንዝተፈላለዩ ዲፓርትመንት ህንፃ መሳርሒን ፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኮሌጅ ቴክኒክን ሙያን ዓብዮ ዓዲ

ስለዚ ክትጫረቱ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቋሒ ክተማልኡ ይግባእ ናብ ትካልና ብምቅራብ ዝርዝር ናይቲ ኣቑሑት ዝሓዘ ሰነድ ብር 50.00 ሓምሳ ቅርሺ ዘይምለስ ብምክፋል ካብ ዓ/ዓዲ ቴክኒክን ሙያን ኮሌጅ ዕ/ፋ/ን/ም/ር ቢሮ ቁፅሪ 6 ቀሪብኩም ካብ ዕለት 14/08/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 28/08/2011 ዓ/ም ሰነድ እናመፃእኩም ክትወስዱ ከም እትክእሉ እናገለፅና ተጫራታይ እዞም ዘለዉ ነጥብታት ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ከማልእ ይግባእ።

1 ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ /Tin/ ሰርተፊኬት ቅዳሕ ዘቅርብ

2 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ /ቫት/ ምስክር ወረቀት ብቅዳሕ ዘቅርብ

3 ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቀት ቅዳሕ ዘቅርብ

4 ናይ ወርሒ የካቲትን/መጋቢትን 2011 ዓ/ም ዴክላሬሽን ዝክፈለሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 ተወሳኺ እሴት ታክስ (ቫት) ሓዊሱ ክመልእ ዝኽእል፤

6 ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ካብ ዓ/ዓዲ ቴክኒክን ሙያን ኮሎጅ ዕ/ፋ/ን/ም/ር ብምዉሳድ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጀናልን ኮፒን ነንበይኑ ናብቲ ሰነድ ጨረታ መእተዊ ዝተዳለወ ሳፁን የእቱ።

7 ናይቲ ጨረታ መክበሪ ንፅሕፈት መሳርሒን ፅሬትን ኣቁሑትን ሎት 1 -3000 ብር / ሰለስተ ሽሕ ብር /  ንህንፃ መሳርሒ ንሎት 2 በብዘርፍኩም 6000 ብር / ሽድሽተ ሽሕ ብር / ንኤሌክትሮኒክስ 3000.00 /ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ፣ ብCPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል፣

8 እቲ ዝተዳለወ ሳፁን ዕለት 28/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ክፈቲ ኮይኑ ይፀንሕ ይዕሸግ።

9 እተ እቲ ዝተዳለወ ሳፁን ዕለት 29/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ይኽፈት።

10 ጨረታ ዝክፈተሉ ቦታ ዓ/ዓዲ ቴክኒክን ሙያን ኮሌጅ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር/ ንብረትን በቲ ዝተጠቀሰ ዕለትን ሰዓትን ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረከበሉ ይኹን ኣብ ዘይተረከበሉ እዉን እቲ ናይ ጨረታ ፖስታ ይኽፈት።

11 ዘሸነፈ ተጫራታይ ንዘሸነፈሎም ኣቁሑት መጓዓዓዚ ኾነ መፅዓንን መራገፍን ባዕሉ ይሽፍን ናብ ዓ/ዓዲ ቴክኒክን ሙያን ኮሎጅ የርክብ፡፡

12 ተጫራታይ እቲ ጨረታ አሺንፍካ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 (ሰለስተ) ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዉዕል ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ ዓሰርተ(10) ናይ ሰራሕ ተከታተልቲ መዓልተ ንብረት የቅርብ።

13 ብዉዕሉ መሰረት ንኣቅሑ ቢሮ ብእዋኑ ንዘይኣቅረበ ኣቁሑት በቲ ጨረታ መምርሒ መሰረት ኣብ መዓልቲ 1/1000 ብር ይቅፃዕ።

14 ዝኮነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ አብቲ ዝወሰደ ዝተዳለወ ባዶ ሰነድ ጨረታ ብትክክል ኣቀሚጡ ክመልእ አለዎ። ካብኡ ወፃኢ ብካሊእ ሰነድ ዘቅርብ እቲ ትካል ኣይቅበሎን ዉድቂ ይኸዉን።

15 ካብ ስፐስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ ኣይፍቀድን

16 አብ ዘቅርቦ ናይ ጨረታ ሰነድ ስሙ ፌርሙእን ኣድራሻን ማህተም ናይቲ መቅረባይ ድርጅት ብትክክል ከቀምጥ ኣለዎ።።

17 ንምንባብ አፀጋሚ ዝኾነ ፊደል ወይ አሃዝ ዘቐመጠ ብቀጥታ ካብተ ጨረታ ይስረዝ።

18 እቲ ትካል ኣብ ሓደ ዓይነት ኣቅሓ 20% ናይ ምውሳኽ ወይ ናይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ።

19 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ።

20 ንኤሌክትሮኒክስ ውሕስና 1 ዓመት ይከውን።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-460323 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ኢኩም

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo