ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለዩ መጠን ዘለዎ ጋልቫናይዘድ/ቱቦታትን ናይ ማይ ንብረት መገጣጠሚታትን ናይ ማይ ቆፀርቲ ናይ ቴክኒክ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ማይጨዉ

1 ቫት ተመዝገበቲ ክትጫረቱ ትክእሉ

2 ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰን ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኽፈለን መረጋገፂ ዘቅርብ

3 ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲ ዘለዎ ቲን ተመዝጋቢ ምዃኑ መረዳእታ ዝቅርብ

4 ናይቶም ንብረት ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዝሕዘ ንምዉሳድ ዘይምለስ ብር 30 (ሰላሳ ብር) ብምክፋል ካብ ዕለት 26/01/2008 ዓ ጀሚሩ ካብ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምር ቢሮ ቑፅሪ 1 ብምዉሳድ ዋንኡን ፎቶ ኮፒ ናይ ጨረታ ሰነድ አብ ምእሻግ ናይ ተጫረቲ ሽምን ፊርማን ማሕተምን ብምዕራፍ አብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይከኣል

5 ጨረታ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን ብስክርቢቶ እምበር ብእርሳስ ክፅሓፍ የብሉን

6 ጨረታ ተጠቂዑ ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 26/01/2008 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 10/02/2008 ዓ/ም ሰዓት 6:00 ይኸዉን

7 እቲ ጨረታ ዕለት 11/02/2008 ዓም ሰዓት 6:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አበ ዝተረከብለ አብ ከተማ ማይጨዉ ይኽፈት

8 ኣብቲ ጨረታ ንምርካብ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝኾነ ተጫረቲ ብቁዕ ምኽንያት ኣቐዲሙ እንተቕሪቡን ናይ ጨረታ ረቋሒ አሟሊኡ እንተሊኡኹን ክኸፈት ይክእል

9 ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ተጫረቲ ምኽበሪ ጨረታ ብር 3000 /ሰለስተ ሽሕ /ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO የትሕዙ

10 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓረዎ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ 10% መኽበሪ ዉዕሊ ብጥረ ገንዘብ የትሕዝ

11 ሰዓርቲ ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንበረት ካብ ዕለት 20/02/2008 ዓ/ም በናይ ባዕሎም መጓዓዓዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቐረብ መስተ ማይ ከተማ ማይጨዉ ንበረት ክፍሊ አታዊ ይገብሩ

12 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ሙሉእ ብምሉእ ክሳብ እቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ኣታዊ እንተዘይገበሩ ንምኽበሪ ዘትሐዝዎ ገንዘብ ብቕፅዓት ናብ መንግሰቲ ካዝና ኣታዊ ይግበር

13 ክፍሊት ብዝምልከት ድማ ንበረት ምስ ኣረከቡ ሒሳቦም ሙሉእ ብምሉእ ብሓደd ግዜ ይኽፈል

14 አብ ዝቐርብ ንብረት ወካሊ መርኣያ ወይ ሳምፕል ከቕርብ አለዎ

15 ቤት ፅሕፈትና ተጫረቲ ኦርጅናል ዘይኾነ ንብረት እንተቅሪቦም ናይ ምምላስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

16 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኵን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

17 እቲ ቤት ፅሕፈት 20% ናይ ምዉሳኽ ናይ ምቅናስ መሰል አለዎ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo