ን3ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ኤጀንሲ ሓለዋ ስነ -ከባቢ ምምሕዳርን አጠቓቅማን ገፀር መሬት ክልል ትግራይ ናይ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት መደበኛ በጀት ዩኤልጂዲፒ ዝኮነ ፍልፍል በጀት ናይ ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ንምዕዳግ ይደሊ።

ኤጀንሲ ሓለዋ ስነ-ከባቢ ምምሕዳርን ኣጠቓቅማን መሬት ትግራይ

1 ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱ፣ ናይ ቫት ሰርቲፌከትን፣ ናይ ወርሒ የካቲት/መጋቢት ወርሒ 2011 ዓ/ም ፣ቫት ዲክለሬሽን ዝተከፈሉ ከቅርብ ዝክእሉ፤

2 ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናስን ይኹን ካብ ፌደራል ዝተዉሃቦም ናይ ታክስ መፍለይ ቁፅሪ (Tin No) ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት ሰርፊኬት ከቅርብ ዝክእል፤

3 ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 50.00 ብር ብምክፋል ኣብ 2ይ ደብሪ ዝርከብ ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ርን ምዉሳድ ይክእሉ።

4 ተወዳደርቲ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ /ሰነድ ጨረታ/ ብሰምዒ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኣብ ኣብ 2ይ ደብሪ ዝርከብ ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ርንጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ይገብሩ።

5 ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 11/08/2011 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 28/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 9:00 ይኽፈት።

6 ጨረታ መክበሪ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብጥረ ገንዝብ ንኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት 4000.00 ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ብጥረ ገንዝብ ወይምብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተርኦፍ ክሬዴት ከትሕዝ ዝክእሉ።

7 ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ንተኸታታሊ 30 ማዓልቲ ዋጋ ፀኒዑ ይፀንሕ።

8 ጨረታ ንክዕፆ ትሐቲ 5 መዓልቲ እንተቐርዩ ንዝቀርብ ሕቶ መብርሂ ተቐባልነት የብሉን።

9 ተጫረቲ ምስዚ ዝተተሓሐዘ ናይ ጨረታ መምርሒን ምልከታ ጨረታ ናይ ምክባር ግዴታ አለዎም።

10 ቤት ዕዩና ካልእ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ።

11 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344- 41 71 04 ምድዋል ይከኣል እዩ።

ኣድራሻና ካብ ክልል ትግራይ ፖሊስ ኮምሽን ትሕት ኢልካ እንዳ ገ/ሃወርያ ተኣምር ናይ ሆራይዝ ጎማ ብሕታዊ መከፋፈሊ ዝርከብ ህንፃ 2ይ ደብሪ ንርከብ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo