ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ንዝተፈላለዩ ሴክተር ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን
  • ናይ ሞተር ሳይክል እስፔር
  • ናይ ኤሌክትሮኒከስ አቁሑ

 

  1. በቲ  ዝተጠቀሰ ዘርፍ  ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰ  ዘለኩም::
  2. ናይ  2008 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩም::
  3. ቲነ ካርድ መረዳእታ ዘለኩም::
  4. ቫት ተመዝገበቲ ዝኾንኩም::
  5. ናይ ወርሒ ነሓሰ ዲክለራስዩን  ዝገበርኩም::
  6. ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሴርትፊኬት  ኣተሓሒዙ  ዘቅርብ::
  7. ናይ ሕድሕድ ዓይነት ንብረት ቅድሚ ጨረታ  ነቲ ጨረታ መኽበሪ 3000 (ሰለስተ ሺሕ)  ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ባንኪ ዝተመስከረሉ ሲፒኦ ከትሕዝ  ዝክእል::
  8. ናይቲ ሽያጥ ዝርዝር  ዶኩሜንት ዘይምለስ 50 ብር ( ሓምሳ ብር) ብምክፋል  ካብ  ቤት  ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን  ወረዳ ሓዉዜን ከ /ስ /ዕ /ንብ /ምም /ርን  ቁፅሪ 05  ምዉሳድ ይከአል
  9. ካብ 18/ 01 /2008 ዓ/ም ጀሚሩ ዝርዝር ናይ ጨረታ ዶክሜንት ብምዕዳግ ኣብ  ናይ  ባዕልና ዝተዳለወ ዶክሜንት  ብምምላእ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ አብ  ዝተፈላለዩ  ፖስታ  ዓሺግኩም ፊርማን ማህተምን ተገይሩሉ አብ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን  ወረዳ ሓዉዜን ቁፅሪ 05 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ  ይእቱ ::
  10. ናይ ሞተር ሳይክል እስፔር ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 05/02/2008 ዓ/ም 8:00 ናይ ድ/ሰዓት ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ ሰዓት 8:30 ይኽፈት
  11.  ናይ ኤሌክትሮኒከስ ኣቁሑት ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 09/02/2008 ዓ/ም 8:00 ናይ ድ/ሰዓት ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ ሰዓት 8:30 ይኽፈት
  12. እቲ  ዘይሰዓረ ተጫራታይ  ዘትሓዞ ናይ መኽበሪ ጨረታ ቢድባንድ ሰዓራይ ምስ ተገለፀ  ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ይምለሰሉ::
  13. እቲ ጨረታ ዝሰዓረ ሰብ በቲ ዝሰዓረ ዋጋ ከቅርብ ፍቃደኛ እተዘኮይኑ ዘትሓዞ ቢድ ቦንድ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ  ይኸዉን::
  14. ሰዓራይ  ዝተገለፀሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ( ሓሙሽተ መዓልቲ) ተካታተልቲ ዉዕል  አሲሩ እቲ ንብረት ምጉዕዓዝ ይጅምር
  15. ሰዓራይ  ንዝስዕሮ  ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ብምሽፋን  አብ ወረዳ ሐዉዜን ትልምን ፋይናንስን  አጉዒዙ  ዘቅርብ::
  16. ሰዓራይ ኣብ ዝተገለፀሉ ቀሪቡ ዉዕሊ እንተዘይ አሲሩ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ዝቅፃዕ  ምኻኑ ::
  17. ብመምርሒ መሰረት ኣብ እንዕድጎ እንዕድጎ ንብረት መጠን  20% ክንዉስክ  ክንቅንስ  ንክእል ኢና ::
  18. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረከቡ ብምሉእ ወይ ብክፋል ነቲ ጨረታ  ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ  እዩ

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo