ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ንቤት ፅሕፈት ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ስራሕ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ህንፃ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ

1 በቲ ዘፈር ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዋና ምስ ዘይምለስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለዎን መረዳእታ ዘቅርብን፤

3. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ ለካቲት ሒሳብ ዘቅረብኩምሉ መረዳእታ ዘቅርብን

4. በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ መቅረባይነት ካርድ ከቅርብ ዝክእል

5 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል፤

6 እዚ ጨረታ 25/08/2011 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ይክፈት፡፡

7 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 01 ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ እናከፈሉ ምዉሳድ ይከኣል ፤

8 ተወዳደርቲ ቫት ዝሓወሰ ከከውን ኣለዎ እንተዘይፂሕፍምሉ ግና ቫት ከምዝሓወሰ ተገይሩ ይውሰድ፡፡

9 ናይ ዝግዛእ አቅሓ ከምአድላይነቱ ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰል አለና

10 እቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ዘሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዚ ከቅርብ ኣለዎ፡

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጨረታ ካብ ዝተፈተሉ ን15 መዓልቲ ይከውን፡

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-480183 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo