ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእከሎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳሰትሪ ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣቁሑትን ኤሌክትሮኒክስ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእከሎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳሰትሪ ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ /TIN/ ወረቀት ምስክር ከቕርብ ዝክእል

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ /VAT/ ዝተመዝገበ ኮይኑ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቀት ናይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓ/ም ድክላሬሽን ከቕርቡ ዝኽእሉ፤

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑ ናይ ዘመን ዝተሐደሰ ምስክር ወረቐት ከቅርብ ዝክእል፤

5 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 30 እናከፈሉ ካብ ኤጀንሲና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን 5ይ ደብሪ ካብ ዕለት 11/08/2011 ዓ/ም ክሳብ 25/08/2011 ዓ/ም አብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብአካል ብምቅራብ ምዉሳድ ይክእሉ፡፡

6 ዝቐርብ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ንበይኑ ብሸምዒ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኮይኑ ኣብ ላዕሊኡ ናይ መቅረባይ ሙሉእ ሽም ናይቲ ትካል ኣድራሻ ስልኪ ቝፅሪ ናይ ምንታይ ዓይነት ጨረታ ምኻኑ ናይዚ ቤት ዕዩ ሽም ክሕብር አለዎ፡፡

7 ተጫረቲ ዘትሕዝዎ መክብሪ ጨረታ ንዝተፈላለዩ ዓይነታት ንብረት ብር 5,000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ/ ንንዝ/ዩ ኤሌክትሮኒክስ 6,000.00 ሽድሽተ ሽሕ ቅርሺ/ ብሽም ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእከሎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳሰትሪ ክልል ትግራይ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብCPO ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤት ዕዩ ጨረታ ሳንዱቅ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ ዝክእሉ::

8 አብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ ዝስዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ጀሚሩ ንናይ አብ ዉሽጢ 10 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ዕዩና ስቶር ክፈሊ በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠንን ከቕርብ ዝክእል፤

9 እቲ ጨረታ ዕለት 26/08/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቕድሚ ቐትሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቐትሪ ሰዓት አብ ክፍለ ከተማ ሐወልቲ ፊት ን ፊት ሆቴል ፕላኔት ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 5ይ ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእከሎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳሰትሪ ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ዝኽፈት ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ጨረታ ምኽፋት ኣይተአጓጎልን፡፡

10 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ክኸዉን አለዎ ተዘይኾኑ ቫት ከምዝሐወሰ ርዱእ ተገይሩ ይዉሰድ፡፡

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 መዓልቲ ይኸዉን፡፡

12 ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

13 እቲ ጨረታ ምስ ተከፈተ ኤጀንሲና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት ዓቐን ወይ ዋጋ ከም አዳላይነቱ ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቐሓ ክሳብ 20% ናይ ምውሳክ ወይ ምቅናስ ይክእል እዩ::

14 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብባዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይከዉን፡፡

መተሓሳሰቢ ንተወሳኪ ሓበሬታ ስልኪ ቁፅሪ 0342-400009 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከአል ፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo