ን 2008 ዓ/ም ግልጋሎት ዝዉዕሉ ሎት 1 መለዋወጢ ኣቁሑ መኪና : ሎት 2 ኣቅሑት ኤሌክትሮኒከስ : ሎት 3 መሳርሒ ፅሕፈት : ሎት 4 መስርሒ ፅሬት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ

ቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ቀረብ ማይ ከተማ መቐለ

1 በቲ ዘፈረ ዝተሐደሰ ናይ ዘመኑ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

2 በቲ ሐደሽ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ካብ 1 ጥሪ 2005 ዓ/ም ዝወፀ ከቅርቡ አለዎም

2 ናይ ከፋላይ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ (TIN NO)  መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 አብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ መወደእታ ወርሒ ሒሳብ ዝገበርክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ

4 ተጫረቲ በቲ ዝቀረበ ዝርዝር መዓቀኒ (ስፐስፊኬሽን) መሊኡ ዘቅርብ ክከዉን አለዎ መቅረብቲ ካብ 25 መስከረም 2008 ዓ/ም ክሳብ 9 ጥቅምቲ 2008 ዓ/ም ዘይምለስ 50 ቅርሺ ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትዉ ይክእሉ እዩም

5 መክበሪ ጨረታ ን መለዋወጢ አቁሑት መኪና 15000 (ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) :ንኣቀሑት ኤሌክትሮኒከስ 10000 (ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ) : ንመሳርሒ ፅሕፈት 5000 (ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) : ንመሳርሒ ፅሬት 3000 (ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) ብ CPO ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ቅድሚ እቲ ፖስታ ምክፋቱ ከትሕዙ አለዎም

6 ጨረታ ዝዕሸገሉ 9 ጥቅምቲ 2008 ሰዓት 4:00 ኻይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረከቡ ነቲ ጨረታ ካብ ምክፋት አይተአጓጎልን

7 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ እቲ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 ናይ ስራሕ መዓልታት እዩ

8 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ተጫረቲ እቲ ዘቀረበዎ ዋጋ አቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ደሌት መግለፂ ጥራሕ ክመልእዎ አለዎም

11 ነብስ ወከፍ ገፅ ማሕተምን ፊርማን ናይቲ ትካል ክዓርፎ አለዎ

12 አድራሻ ግልጋሎት ማይ ከተማ መቐለ ከይዲ ስራሕን ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንብረትን

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ   03 4440 73 35 ወይድማ 034440 73 36 ደዊልካ ምርካብ ይከኣል እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo