ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝርከብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ካብ ዘለውኦ ምሩፃት ዓሌት ከፍቲ ብግልፂ ጨረታ ክትወዳደሩ ክሸይጥ ይዕድም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ

1 ተወዳደርቲ ንተጠቀምቲ ብጨረታ ዝሸየጣ ምሩፃት ኣላሕም ብኣካል ቀሪቦም ብምርኣይ ክገዝእዋ/ወን ዝሓረይዋ/ወን ኣላሕም/ላሕሚ ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትው ይግባአ።

2 ኣብ ሕድሕድ ኣላሕም ኣብ እዝነን መፍለይ ቁፅሪ ተጌርለን ስለዘሎ ኣብቲ መወዳደሪ ሰነድ ናይ ዘድልዩ ዓይነት ላሕሚ መፍለይ ቁፅሪ ብምቅማጥን ዋጋ ብምምላእ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትው ይግባእ::

3 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ማሕተም ገይሮም ሓደ ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ነንበይኑ ብፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 09/08/2011 ዓ/ም ክሳብ 17/08/2011 ዓ/ም ኣብ ቃላሚኖ ማእኸል ኢንቨስትመንት ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ።

4 እቲ ጨረታ ዕለት 17/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ፣ ሰዓት 4:00 ኣብ ኣብ ቃላሚኖ ማእኸል ኢንቨስትመንት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡ ይኽፈት።

5 ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 2000.00 ሽሕ ብር ብሽም ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከትሕዙ ዝኽእሉ፤

6 ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 50.00 ሓምሳ ብር ብምኽፋል ካብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ቁፅሪ 2 ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ክወስዱ ይኽእሉ፤

7 ተወዳደርቲ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝግለፀሉ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ሒሳብ ከፊሉ ላሕሙ እንተዘይወሲዱ ዘትሓዞ መኸበሪ ጨረታ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ናብ ናይ ትካልና ካዝና ኣታዊ ይግበር።

8 ዝርዝር ድሌት መግለፂ ቤት ፅሕፈትና ካብ ዘቕርቦ ናይ ዋጋ መቅረቢ ቅጥዒ ወፃኢ ዋጋ መሊኡ ዘቕርብ ተቐባልነት የብሉን።

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብሰ.ቁፅሪ 0348-990423/0344-405021 ምድዋል ይከኣል እዩ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo