መዓርግ ሆስፒታል ኣብ ናይ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ሳልሳይ ዙር ዝተፈላለዩ ንብረት ማለት ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና ፣ ክዳን ሰፋይት ማሽን ፣ ኣቅሑት ቢሮ ማለት ፈርኒቸር፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ መድሓኒትን ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ኣብዚ ጨረታ ንክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቋሕታት ክተማልኡ ይሓትት

ሆስፒታል መዓርግ

1 በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ቲን ነምበር ዘለኩም፣ ፍቃድ መቅረባይነት ዘለኩም፤

3 ብዘይካ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ወይድማ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ለካቲት 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 መክበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ንኣቅሑት መለዋወጢ መኪና ፣ ክዳን ሰፋይት ማሽን ፣ኣቅሑት ቢሮ ማለት ፈርኒቸር፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ንሕድሕዶም 3000 ቅርሺ ንመድሓኒት 10000 ቅርሺ ክተቅርቡ እትክእሉ

5 መቅረብቲ መድሓኒት ዝኮንኩም ዝተሓደሰ ናይ ሞያ ፍቃድ ክተቅርቡ ይግባእ

6 ካብ ዘሸነፍዎ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ መክበሪ ብሲፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ 10 ሚኢታዊ ክተቅርቡ ይግባእ፤

7 መለዋወጢ መኪና ፣ ክዳን ሰፋይት ማሽን ፣ኣቅሑት ቢሮ ማለት ፈርኒቸር፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ናይ ሓደ ሰነድ ዋጋ 20.00 ቅርሺ፣ ናይ መድሓኒት 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ክትገዝኡ ትክእሉ፤

8 መጫረቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 30 መዓልቲ ይከዉን፡፡

9 ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ድማ ካብ ዕለት 08/08/2011 ዓም ክሳብ 24/08/2011 ዓም ሰዓት 5፡00 ቅድሚ ሰዓት ጨረታ ሰነድ ምግዛእ ይከኣል፡፡

10 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 24/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 5፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ በቲ ዕለት ሰዓት 5፡30 ቅድሚ ቀትሪ ንኣቅሑ ቢሮ ወይ ፈርኒቸር ሰነድ ጨረታ ኣብ መዓርግ ሆስፒታል ካልኦቶም ሰነድ ጨረታ ድማ ኣብ ስሑል ሆስፒታል ይከዉን፡፡

11 ሰነድ ጨረታ ካብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ፀገዴ መዓርግ ሆስፒታል እናመፃእኩም ክትገዝኡ ትክእሉ፤

12 እቲ ሆስፒታል ካብ ዘጫረቶም ጠቅላላ ዋጋ 20 ሚኢታዊ ክዉስክ ወይድማ ክቅንስ ይግባእ፡፡

13 እቲ ሆስፒታል ዘሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0914-387011 ወይዉን 0348-990069 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo