ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብቤት ፅሕፈት ማይን መዓድንን ኢነርጂን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ በጀት ዝክፈል ኣብ ዝ/ዩ ጣብያታት ሓባር ዒላታት shallow well ከስርሕ ስለዝደሊ ብናይ ማይ ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ደረጃ 8ተ ብደቀቅቲ ትካላት ንግዲ ፍቃድ ን shallow well ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ዝኮንኩም ከምኡውን ንዝ/ዩ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል መሳርሒ ፅሕፈት፣ መሳርሒ ህንፃ ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት ማሽነሪ ሕርሻ፣ ዘለኩም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕን ክዕድግን ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

1  ሙሉእ መረዳእታ ናይ 2010 ግብሪ ዝኸፈልኩምሉ (ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም) ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለኩም፣ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም ፣ ናይ ወርሒ ጥሪ ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ፤ ብናይ ማይ ስራሕ እትወዳደሩ ዝተሓደሰ ብርኪ ሰርቲፊኬት እተቅርቡ ካልኦት መረዳእታታት እተቅርቡ፤ ካልኦት ኣድለይቲ ሰነዳት ብኮንትራክተራት ዝተማልአ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ነንበይኖም ብምዕሻግ ሰለስቲኦም ፖስታታት ኣብ ሓደ ዓብይ ብምግባር ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ናይ ተጫረቲ ማህተምን ሽምን ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትው ኣለዎም።

2 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀረቡ ቅጥዕታት መሊኦም ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰነድ ፈሪሞምን ማህተም ገይሮምን ቅደም ሰዓብ ከየጓደሉ ከቅርቡ ኣለዎም። ዝተጋደለ ብእርሳስ ዝተመልአን ቅደም ሰዓቡ ዝተዛበዕን ሰነድ ጨረታ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይገብር።

3 ኣብ እዋን ጨረታ ኣድላይቲ ዝኾኑ ሰነዳት ከቅርብ ዝኽእል፤

4 ተጫራቲ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 4 ክትወስዱ ትክእሉ፤

5 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይ ብጥረገንዝብ ንነብሲ ወከፍ ሰነድ ናይ ማይ ስራሕቲ 7000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንዕድጊት ኣቅሑት 5000.00ሽሕ ቅርሺ፣ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝክእል፤

6ተጫራታይ ተዓዋቲ ተባሂሉ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልታት ውዕሊ ክኣስር ዝክእልን ከምኡውን ካብቲ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚኢታዊ ከትሕዝ ዝክእል፤ ንስራሕቲ ማይ 5 ሚኢታዊ ከትሕዝ ዝክእል፤

7 እቲ ጨረታ 02/08/2011- 22/08/2011 ዓ/ም አብ አየር ይፀንሕ። እቲ ሰነድ ጨረታ 22/08/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ እውን ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣዲያቦ ይክፈት።

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345-500231/0345-500005 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo