ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ንናይ ከተማ ኣብያት ፅሕፈት ኣገልግሎት ዝውዕል ሎት 1 መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ሎት 2 መለዋወጢ ኣቅሑ መኪና ፣ ሎት 3 ስራሕቲ ሕትመት ፣ ሎት 4 ኣቅሑት ፅሬት፣ ሎት ካብ ስሩዕ በጀትን ብግልፂ ጨረታ ክዕድግ ስለዝደለየ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ መዐቀነታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንኽትወዳደሩ ይዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈልኩምን በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ቅዳሕን ዋንኡን ሒዝኩም እትመፁ፤

2 ናይ ነጋዳይ መለለይ ቁፅሪ (Tin number)፤

3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትኽእሉ፤

4 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ መራዳእታ ናይ ወርሒ ለካቲት ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትኽእሉ፤ እዚ ኣቅሑ ፅሬት ኣይምልከትን፤

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ 08/08/2011 ዓ/ም ጀሚረኩም ክሳብ 24/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 11.30 ካብ ሎት 1- ሎት3 ዘይምለሰ 50.00 ቅርሺ ፣ ንሎት 4 30.00 ቅርሺ እናኸፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ዓዲግራት ምውሳድ ትኽእሉ።

5 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት 6000.00 ሽሕ ቅርሺ ፣ ንመለዋወጢ ኣቅሑት መኪና 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንስራሕቲ ሕትመት 4000.00 ሽሕ ቅርሺ ፣ ንኣቅሑ ፅሬት 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይድማ ጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ክተድሕዙ ይግባእ።

6 ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ዝርከብ ኮይኑ እቲ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ እዋን ጀሚሩ ንተጫረቲ ክፍቲ ይኸውን።

7 ሳንዱቅ ጨረታ 25/08/2011 ሰዓት 4.00 ተዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4.30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

8 እቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይገባእን፤ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዩዎ ግና ፊርማ በዓል ዋና ክዓርፎ ይግባእ።

9 ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገበቲ እትመልእዎ ዋጋ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝሓወሰ ክኸውን ይግባእ።

10 ኣብቲ ዝተመልኣ ዋጋ ብዛዕባ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዘይተገለፀ እንተኾይኑ እቲ ዝተመልኣ ዋጋ ምስ ተወሳኺ እሴት ታክስ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር።

11 ኣብ ነብሲወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ማሕተምን ፊርማን ናይቲ ትካል ክግበረሉ ይግባእ።

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብኣካል ናብ ቤት ፅሕፈትና ብምምፃእ ወይድማ በቁፅሪ ስልኪ

0344-450282 0344-450607 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo