ኤጀንሲ ልምዓት ምምሕዳር ኣባይቲ ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ናይ ኮንስትራክሽን ኤሌክትሪክን ሳኒተሪ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አዋዳዲሩ ከወግድ (ክሸይጥ) ይደሊ። በዚ መሰረት ተጫረቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መመዘኒ ረቆሒታት ብምምላእ ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ይዕድም::

ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ ክልል ትግራይ

1 ተጫረቲ ብውልቀ ይኹን ብትካል ምስታፍ ይከኣል እዩ።ተጫረቲ እዚ ንብረት ኣብ ከተማ መቐለ ፣ ወልቃይት ፣ማይጋባ፣ዝርከቡ ሳይታት ማይ ሑመርን ቤትሙለን ኣብ ኣክሱምን ዝርከብ ናይ ስራሕ መኽዝን ብኣካል ከይድኩም ምርኣይ ይከኣል።

2 ናይቲ ንብረት ብዝምልከት ድሕሪ ጨረታ ዝመፅእ ዝኮነ ይኩን ሕቶ ተቀባልነት የብሉን፡፡

3 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ ቤት ዕዮና ጉጅል መራሒ ንብረት ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 14 ኣብ ቤት ፅሕፈት ኤጀንሲ ልምዓት ምምሕዳር ኣባይቲ ክልል ትግራይ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ 07/08/2011ዓ/ም ክሳብ 23/08/2011ዓ/ም ምውሳድ ትኽእሉ፤

4 እዚ ጨረታ 23/08/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ይኽፈት።

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና ብር 10000.00 (ዓሰርተ ሽሕ ብር) ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ከቅርብ ኣለዎ::

6 ተጫረቲ እዚ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ይሽፍኑ።

7 ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ተጫረቲ ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344- 418509 ወይ 0344- 41 85 16 /0914-820020/ 0914-152170 ብምድዋል ምሕታት ይኽእሉ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo