ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓዲጉዶም ኣብ 2011 ዓ/ም ንተሽከርከርቲ መግዝኢ ካብ ዝተበጀተ በጀት ጨረታ ኣጫሪቱ ክገዝእ ይደሊ።

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ዓዲጉዶም

1 ናይ 2011 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም ናይዚ ዘበን ግብሪ ዝከፈልኩም፤

2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም፤

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለኩም፤

5 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርትፍኬት ናይ 2011 ዓ/ም ክተቅርቡ እትክእሉ፤

6 ኩሉ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ሽም : ፊርማ : ማሕተም ብምግባር ከቅርብ ዝክእል፤

7 መክበሪ ጨረታ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 ናይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘቅርብለኩም መረዳእታ ክተቅረቡ ትክእሉ፤

9 ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለተ ጀሚሩ ኣብ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልትታት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

10 ሰዓራይ ኣካል ኣብቲ ዝሰዓሮ 20% ሚኢታዊ እቲ ኮሌጅ ምዉሳክ ወይድማ ምቅናስ ዝክል ይከዉን፤

11 ኣብ ዝወፀ ጨረታ ሰነድ ወይ መምርሒ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዘግብር ምካኑ፤

12 ሰነድ ጨረታ ን 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓዲ ጉዶም ሰነድ ጨረታ ምልክታ ካብ 07/08/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቁፀሪ 8 ኬዝ ቲም ምዉሳድ ትክእሉ፤

13 ብተወሳኪ ስርዓት ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ255 /2007 ተፈፃሚ ይከዉን።

14 ሰዓራይ ኣካል ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓዲ ጉዶም ንብረት ክፍሊ ከረክብ አለዎ እቲ ንበረት ብበዓል ኮያ ፅሬቱ ምስተረጋገፀ ናብ ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ይከውን፡ እትመልእዎ ዋጋ ሰዓራይ ክሳብ ዝፍለጠ 40 ናይ ስራሕ መዓልቲ ክፀንሕ ከምዝክእል ብፊርማኩም ክተረጋጉፁ ትክእሉ።

15 ሳንዱቅ ጨረታ 22/08/2011 ዓም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዛይ ምርከቦም ከይዲ ጨረታ አይተአጎጎልን።

16 ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፍ ኣብናይ መንግስቲ እግድ ዘይብሎም ይከዉን።

17 እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-370592 /0914-024310 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo