ቤት ፅሕፈት ኣገልገሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ማይ ፀብሪ ኣብታ ከተማ ንዘሎ ሕፅረት ዝስተ ማይ ንምቅላል ናይ ቦጥ መኪና ማይ ፍቃድ ንግዲ ንዘለዎም ኣገልግሎት ዝህቡ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ኣገልገሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ማይ ፀብሪ

1 ተጫረቲ ግብሪ መንግስቲ 2011ዓ/ም ዝከፈሉ ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ንናይ ማይ ቦጥ መኪና ዘለዎም ዘይምለስ ቅዳሕ ብምግባር ከቅርቡ ዘለዎም፤

2 ተጫረቲ ኣብ ዝርዝር መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉ፤

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለዎም ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ፤

4 ናይ ወርሒ ለካቲት 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራርድሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

5 ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ተመዝገብቲ ዝኮኑ ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ፤

6 ናይ ቦጥ መኪና 15m3 ልዕሊኡን ትሕዝ ምዃና ዘረጋግፅ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

7 ተጫረቲ ኣብ መዓልቲ ተነኣሰ 4 ግዜ ከምፅኡ ፍቃደኛ ክኮኑ ኣለዎም፤

8 ዝመፀሉ ርሕቀት ካብታ ከተማ 3 ኪሎሜትር ርሕቀት ዝርከብ እንትከውን በፂሕካ ንምምላስ 6 ኪሎሜትር ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ፤

9 ተጫረቲ ኩሉ ወፃኢ ናይ ቦጥ መኪና ባዕሎም ዝሽፍንዎ ምዃኖም ክፈልጡ ኣለዎም፤

10 ቀረብ ማይ ናብ ቤት ፅሕፈት ማይን ፈሳስን ከተማ ማይ ፀብሪ ከቅርብ ዝክእል፤

11 ንቤት ፅሕፈት ማይን ፈሳስን ከተማ ማይ ፀብሪ ኣብ ዝተመረፁ ከባቢታትን ንህዝቢ ይዕድል፡፡

12 ተጫረቲ ናይ ዘቅርብዎ መወዳደሪ ሰነድ ቅጥዒ ጥራሕ ይከውን፡፡

13 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 40.00 ቅርሺ እናከፈሉ ክወስዱ ይክእሉ፤

14 ተጫረቲ ኣብ ዘምፅእዎ ሰነድ ፖስታ ናይ ተጫራቲ ሽም ፊርማን ኣድራሻን ከምኡውን ማህተም ክግበረሉ ኣለዎ፤

15 ሰነድ ጨረታ ተጫራታይ ካብ ቤት ፅሕፈት ማይን ፈሳስን ከተማ ማይ ፀብሪ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ርን ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 3 ክወስዱ ይክእሉ፤

16 ተጫረቲ ብመከበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ /ሲፒኦ/ 3000.00ሽሕ ቅርሺ ከትሕዙ ኣለዎም፤

17 እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ 01/08/2011ዓ/ም-15/08/2011ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ሰነድ ጨረታ ዝሽየጥ ኮይኑ ኣብ ከይዲ ይፀንሕ፤

18 እዚ ጨረታ 16/08/2011ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 4፡30 ናይ ንግሆ ተጫራቲ ወይ ሕጋዊ ወከሊላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኣገልገሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ማይ ፀብሪ ይክፈት፡፡

19 ሰዓራይ ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ውሸጢ 2 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ይግባእ፡፡

20 እቲ ቤት ዕዮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0346-620271 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡

መተሓሳሰቢ ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክከውን ኣለዎ፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo