ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ንርክብ ህዝብን መንግስትን ከምኡውን ንቤት ፅሕፈት ጉዳይ መናእሰይ ስፖርት ግልጋሎት ዝውዕሉ ንብረታት ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ

1 ናይ ዘበኑ ግብሪ ዝኸልኩምን ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርቡ ዝኽእሉ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

3 ምድብ 1 ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ፣ ምድብ 2 መሳርሒ ህንፃ፣ ምድብ 3 ኣቅሑት ቢሮ፣ ምድብ 4 መፃወቲ ስፖርት፣ ምድብ 5 ኣቅሑት ካፌ/ምግብ ቤት/ ክተቅርቡ ትክእሉ፤

4 ሰነድ ጨረታ ካብ 01/08/2011ዓ/ም -15/08/2011 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ኣገልግሎት ዕደጋ እናመፃእኹም ምውሳድ ትኽእሉ፤

5 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ዝተዓሸገ ክሳብ 15/08/2011ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ይከኣል።

6 እቲ ጨረታ 15/08/2011ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:45 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት።

7 መከበሪ ጨረታ ንነብሲ ወከፍ ምድብ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-540333 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo