መቐለ ቀዳማይ ወያነ ገዛ ስራሕ ሕ/ስ/ማ ንብረት ዝኮነት ዘገልገለት ትሰርሕ ናይ ሽንት ቤት መጣጢት ታንከር ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ፡፡

መቐለ ቐዳማይ ወያነ ገዛ ስራሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበር

1 ነቲ መሸጣ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ መምርሒ ብር 50.00 ብምክፋል ምውሳድ ይከኣል፤፤

2 ናይ ጨረታ መከበሪ ውሕስና ብር 10000.00 ሽሕ ብር ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከተትሕዙ ይግባእ፡፡

3 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ካብ ዕለት 01/08/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 15/08/2011ዓ/ም ሰዓት 10፡00  ብምውሳድ ኣብ ቤት ፅሕፈት ብሎክ ረ ገዛ ቁፅሪ 307 ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ዝትገዝእሉ ዋጋ ብፖስታ ኣሺግኩም ክተእትው ይግባእ፡፡

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 15/08/2011ዓ/ም ሰዓት 10፡30 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 1፡00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት፡፡

5 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-415316 ምድዋል ይከኣል:

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo