ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ ንመሰረተ ልምዓት ግልጋሎት ዝውዕል ምሩፅ ሓመድ ዕደጋ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ካብ ደኣንት ቅድመ ቢዝነስ ይደሊ::

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

1 ናይ ደኣንት ሰርቲፊኬት ብቅድመ ቢዝነስ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተወደበ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኬዝቲም ዕደጋ ካብ ዕለት 01/08/2011ዓ/ም ጀሚሩ ብነፃ ምውሳድ ይከኣል፡፡

3 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 11/08/2011ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት፡፡

4 ተጫረቲ መወዳደሪ ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ ወይ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎም፡፡

5 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ኣድራሻና ኣብ ምም/ር ከተማ መቀለ ህንፃ ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ድሕሪ እንዳ ማርያም ቤተክርስትያን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ቢሮ ቁፅሪ 033እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0342-408757/0344-408501 ምድዋል ይከኣል:

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo