ነቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ብርክት ዝበለ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት : ፅሕፈት መሳርሒ : ሕትመት ካብ ሕጋዉያን መቕረብቲ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ካብዚ ብታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተመልኡ ንክትጫረቱ ይዕድም

ቤት ምክር ክልል ትግራይ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ /ብመምርሒ ሕዳስ ናይ ምሕዳስ ግዚኡ ዘይሐለlፎን ዘሐደሰን ከፒ መረዳእታ አታሓሒዙ ዘቕርብ

2 ኣብ ቢሮ ትልሚን ፋይናንስን ናይ ግብሪ ክፍሊ መለለይ ቁፅሪ TIN No ዘለዎ ኣብ መቕረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን መረደዳእታ ፎቶ ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ዘቕርብ

3 ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ ንኤሌክትሮኒክስ ብር 1000 (ሐደ ሽሕ ብር) : ንፅሕፈት መሳርሒ ብር 3000 (ሰለስተ ሽሕ ) :ንሕትመት ብር 2000 (ክልተ ሽሕ) ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ብዝተረጋገፀ ኣብ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ከትሕዝ አለዎ

4 ዋጋ ዝመልአሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ብቤት ፅሕፈትና ብዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ እዩ

5 ዋጋ ዝመልአሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ምክሪ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ሒሳብ ክፍሊ ዘይምለስ ብር 30 ጥራሕ ብምኽፋል ካብ ዕለት 21/01/2008 ዓም ክሳብ 05/02/2008 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ናይ ንጉሆ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል

6 እቲ ሰነድ ጨረታ ዕለት 05/02/2008 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ንጉሆ ተዓሺጉ በቲ ዕለት በዓል ዋና ወይ ሕጋዊi ወኪል አብ ዝተረከበሉ ልክዕ ሰዓት 4:00 ይኽፈት መቅረብቲ ብናይ ባዕሎም ድልየት ተዘይተረኺቦም እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ፖስታ ንምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ብተመሳሳሊ ናይ  ጨረታ ዶክሜንት ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒ ነንበይኑ ከቅርብ አለዎ

7 ተመሊኡ ብፖስታ ተዓሺጉ ንዕኡ ተባሂሉ ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 8 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 05/02/2008 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ንጉሆ ዘእትዉ

8 አብዚ ጨረታ ዝሳተፍ ተወዳደደሪ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን ኣበ ዝመልእዎ ዋጋ ምስ ክሳብ ነሐሰ 30/2007 ዓ/ም ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቕርብ

9 ተጫረቲ ንዝሰዓሩዎ ዓይነት ንብረት ብናይ ባዕሎም መፅዓኒን መራገፍን መጓዓዓዚን ናብ ቤት ፅሕፈትና ብዉዕሎም መሰረት ዝገብሩ

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ አብ ዝመርፀሉ እዋን ካብቲ መጀመረያ ንክግዛእ ዝወፀ በዝሒ ኣቕሓ ዋጋ ክሳብ 2% ካብ ነብስ ወከፍ ነፀላ ኣቕሓ ናይ ምቅናስ ወይ ናይ ምውሰክ መሰሉ ሕሉዉከም ዝኾነ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo