ቤት ፅሕፈትና ን 2008 ዓ ∙ም በጀት ዓመት ኣብ ወረድኡ ንዝርከባ ኣብያተ ዕዮ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ሕትመት ስራሕቲ ፣ ኣቁሑት ኤለክትሮኒክስ ፣ኣቁሑት ቢሮ ወይንከዓ ኦፊስ ፈርኒቸር ፣ ኣቁሑት ፅሬት ፣ግልጋሎተ ኦፊስ ኣዉቶሜሽን ፣ግልጋሎት ፀገና ቀለለቲ መካየን ሞተር ሳይክልን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ስለዝደለየ ነዞም ዝስዕቡ ረቀሕታት ተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

ተጫረቲ ክተማልእዎ ዝግቡኡ ረቋሕታት

ናይ 2007 ዓ ም ግብሪ ዝከፈሉን ናይ 2008 ዓ ም ፍቃድ ዘሐደስኩምን

ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለኩም

ናይ 2008 ዓ ም ዘሐደስኩምን መለለዩ ቁፅሪ ግብሪ ከፋላየነት ክተቅርቡ እትከእሉ

ተጫረቲ እተቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ንዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ኣብ ዘሎ ቅፅሪ ክምላአ ኣለዎ

ንናይ ጋራጅ ተጫረቲ ድማ ወረ ቀት መረጋገፂ ብቅዓት ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

ተጫረቲ ኣብ ዝመለእዎ ሰነድን ፖስታን ናይ ተጫራታይ ሽም ኣድራሻ ፊርማነ ማሕተምን ክተዕርፋ ይግባእ

ተጫረቲ ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተኮይኖም ናይ ወርሒ ሓምለ 2007 ዓ ም ፀብፃብ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

መክበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይንድማ ብ ሲፒኦ 5000 ቅርሺ ከትሕዙ ዝክእሉ ከምኡ ዉን ሰዓራይነቱ ካብ ዝተፈለጠሉ ግዘ ዉዕሊ ዝኣስርን ካብ ዝሰዓሮ ሓፋሻዊ ዋጋ መክበሪ ዉዕሊ 10 ሚኢታዊ ከትሕዝ ዝክእል

ተጫራታይ ናይቲ ጨረታ ፖስታ ኣብዚ ናይ ጨረታ መምርሒዝተቀመጠሉን ካልኦት ናይ ጨረታ ግቡኣትን ካልኦት መረዳእታታትን ክሳብ ዘማልኡ ወላ ብኣካል ተዘየቀሪቦም እቲ ጨረታ ክክፈት ይግበር

ጨረታ ተከፊቱ ሰዓራይ ምስተኣወጀ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን ን 20 መዓልትታት ጥራሕ ይከዉን

ተጫረቲ ኣብ ናይ ቀለልቲ መካይን ጨረታ ዝወዳደሩ ተኮይኖም ዝወዳደርሎም ረቀሕታት ቴክኒካል 70 ሚኢታዊ ፋይናንሻል 30 ሚኢታዊ ዝዕቀኑ ምካኖም ክንገልፅ ንፎቱ

ተጫረቲ ኣብ ዝካየዱ ጨረታ ዝዉሰዱ ረቀሕታት ንቴክኒካል ካብ 70 እንተነኣሰ 49 ሚኢታዊ ከምፅኡ ኣለዎም እንተዘየኮይኑ ግና ፋይናንሻል ዝርአ ምካኑ ንሕብር ንፎቱ

ተጫረቲ ፅገና ዝካየደሎም ንብረታት ዉሕስና ክህቡ ዝክእሉን ዝኣዘዝዎም ንብረት ብትክክል ንፅገና ከምዝዉዕል መረጋገፂ ደብዳቤ ክፅሕፉ ዝክእሉን ክከዉን ኣለዎ

ኩሎም ቅጥዕታት ብዘየምጉዳል ማሕተም ተገይርሎም ምስ ሰነድ ጨረታ ክተሓሓዙ ኣለዎም

ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዕለት 18 መስከረም 2008 ዓ ም ጀሚሩ ክሳብ 2 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ብምምፃእ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታየ ኣድያቦ ንኡስ ከይዲ ዕደጋ ክትወስዱ ትክእሉ

እቲ ጨረታ ካብ 18 መስከረም 2008 ዓ ም ክሳብ 2 ጥቅምቲ ዓ ም ሰዓት 4 00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት

ቤት ፅሕፈትና መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ተጫረቲ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345500231 ወይንከዓ 0345500005 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo