ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ማይጨው ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕሉ ምድብ1 መሳርሒ ፅሕፈት፣ ምድብ 2 ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ፣ ምድብ 3 ኣቅሑ ፅሬት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ በዚ ዘርፊ ንግዲ ሕጋውያን ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ማይጨዉ

ተጫረቲ ከማልኡዎም ዝግባእ ረቋሕታት

1 በቲ ዘፈር ንግዲ ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲን፣ ቲን ናምበርን ከቕርብ ዝኽእል፤

2 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ካርዲ ዘለዎ፤

3 ናይ ወርሒ ለካቲት ቫት ዲክሌር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል፤

4 ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ቫት ተመዝጋባይ ሰርቲፊኬት ከቅርብ ዝኽእል፤

5 መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ እትጫረቱ ተጫረቲ ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ክትኮኑ ይግባእ፡፡ ኣብ ኣቅሑ ፅሬት ተመዝገብቲ ዘይኮንኩም ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

6 መጠን መኸበሪ ጨረታ ብር ንመሳርሒ ፅሕፈት 4000.00 ፣ ንኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ 6000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንኣቅሑ ፅሬት 1000.00ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ በባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝኽእል፤

7 ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ ብር 30.00 ብምክፋል ካብ ዕለት 30/07/2011 ዓ/ም ምልክታ ካብ ዝወፀኣሉ ዕለት ጀሚሩ ከሳብ ዕለት 15/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ከተማ ማይጨው ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከ/ ስ/ ዕ/ ፋይ/ ምም/ር /ንብረትን ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ዝተውሃቦ ሰነድ ጨረታ ኦርጂናል ምስ ስፔስፊኬሽን በዘይ ምንም ምጉዳል ማህተምን ፊርማን ብምዕራፍ ኣብ ሓደ ፖስታ፣ ናይ ዋጋ ዝተመልኣሉ ሰነድ ኮፒን ኣብ ካልእ ፖስታ ከእትው ኣለዎም።

8 እቲ ጨረታ ሳንዱቅ ዕለት 15/08/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ማይጨው ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ይኽፈት።

9 ተጫረቲ በዘይ ምርካቦም ከይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ ኣይህሉን።

10 ቤት ፅሕፈተና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11 መጫረቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ገዜ 45 መዓልቲ ይኸውን።

12 ቤት ፅሕፈትና 20% ናይ ምውሳኽ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

13 ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ከተማ ማይጨው ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናነስ ስቶር ከምፅእ ዝኽእል፤

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0347-770196/0347-770252/ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo