ደጀና ኬምካል ኢንጂነሪንግ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ኣብ እንዳሰላማ ናብ ሰምሃ ዝወስድ መንገዲ ንምስራሕ ዘድሊ ዝ/ዩ ማሽነሪታት ክካረ ይደሊ፡፡

Dejena Chemical Engineering p.l.c

1 ቡል ዶዘር

2 ቸይን ኤክስካቫተር ብጃክ ሃመር

3 ቸይን ኤክስካቫተር ብኣካፋ

4 ሞተር ሎደር

5 ዊል ሎደር

6 ዳምትራክ 14-16ሜ3

7 ማይ ቦቲ 15ሜ3

8 ሩሎ 10 ቶን ከቅርብ ዝክእል ኣብ ታሕቲ ዝተገለፁ መዐቀንታት  እተማልኡ ሕጋውያን ትካላት ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ፣ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈለን ቫት ዝትመዝገቡ ምዃኖም መረዳአታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

2 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብዝተዓሸገ ፖስታ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ መዓልቲጀሚሩ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ 300.00 /ሰለስተ ሚኢቲ ቅርሺ/ ክሳብ 07/08/2011 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 4:00 ኣብ ደጀና ኬምካል ኢንጂነሪንግ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ህንፃ ቁፅሪ ቢሮ 401 ብምምፃእ ምውሳድ ይክእሉ፡፡

3 ተጫረቲ ኦርጂናልን ቅዳሕን ቴክኒካልን /ሊብሬ/ ፋይናንሻልን ፕሮፖዛልን ፈላልዮም ከቅርቡ ይግባእ፡፡

4 ተጫረቲ ናይ ማሽነሪ ክራይ ዋጋ መሊኦም ናብ ጨረታ ሰነድ ናብ ዝተዳለወ ሳፁን ክሳብ ዕለት 07/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ከእትው ይግባእ፡፡

5 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 07/08/2011ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ንግሆ ይከውን፡፡

6 ጨረታ ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 07/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት መምርሒ ዕደጋ ዝኸፈት ኾይኑ ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኺቡ አቲ ጨረታ ኣይተኣጓገልን።

7 ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ማሽነሪ ቴክኒካል ዓቅሙ ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ዝውሰን ይከውን፡፡

8 እዚ ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ስ.ቁፅሪ 0344-405061/0344-417201

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo