ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ዝርከቡ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት እክሊ ፤ ዝ/ዩ ዓይነታት ፀብሕን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ፤

ማእከል ቤት ሕንፀት ራያ አላማጣ

ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲን ግብሪ ዝኸፈለን፣ናይ መቅረባይነት ዘለዎ ምዃኑ መረጋገፂ ዋናን ቅዳሕን ኣብ ፖስታ ዓሺጉ ከቅርብ ዝኽእል ፤

2 መኸበሪ ጨረታ 5000.00 (ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል፤

3 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 50.00 (ሓምሳ ቅርሺ ) ብምክፋል ደ/ከ/ስ/ዐ/ፋ/ምም/ር/ንበረት ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ እናመፃእኩም ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።

4 እዚ ጨረታ 02/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት።

6 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩዎ ተቀባልነት የብሉን፤

7 ፍቃድ ንግዲ ናይ እክሊ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ፡፡

8 ተጫረቲ በቲ ዝቀረበ ዝርዝር ስፔስፊኬሽን ማት ብረቋሒ መሰረት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽም ፊርማን ማህተምን ኣማሊኡ ከቅርብ ኣለዎ፡፡

9 ነዚ ጨረታ ከዛብዕ ዝፈተነ ተጫራታይ ካብ ምብራር ሓሊፉ ኣብ ዝኾነ ጨረታ ከይሳተፍ ደብዳቤ ይፅሓፈሉን ቢድ ቦንዱ ይውረስን።

10 ጨረታ ምስተከፈተ ብዓርሰ ድሌት ካብ ጨረታ ምግላል ኣይፍቀድን።

11 እዚ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

12 ናይ 2ይን 3ይን ሰዓራይ ክሳብ 1ይ ሰዓራይ ውዕሊ ዝኣሰር መኸበሪ ጨረታ ( ቢድ ቦንድ) ተተሓሒዙ ይፀንሕ።

13 ጣፍ፣ ምሸላ፣ ሽሮ፣ በርበረ፣ ክክዕ፣ ዓብይ ዓተር፣ ብርስንን ፅሩይ ደረጅኡ ዝሓለወ ምዃኑ ንኮሚቴ ተራእዩ ዝውሰን ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ፡፡

14 ጨረታ ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ኣብ ሓዱሽ ፕሮጀክት

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-785717/0914-755064 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo