ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቋርን ኣክስዩን ማሕበር ዝ/ዩ መለዋወጢ ኣቅሑት፣ ጎማ ናይ መኪናን ሞተር ሳይክልን፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት፣ ቅብኣትን ጀነሬተርን ተሽከርከርትን ከምኡውን ናይ መካይን ኮንፈርትን ምንፃፍን ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለዝደሊ ክትጫረቱ ትደልዩ እዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ክተወዳደሩ ትኽእሉ ምዃንኩም ንገልፅ።

ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ 2011 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩም ቫት ዝተመዝገብኩም ምዃንኩም ዝገልፅ መረዳታ ክተቅርቡ ትኽእሉ ፤

2 ተጫረቲ ካብ ዝቐረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ናይ ጨረታ ዉሕስና መኸበሪ ቢድቦንድ ሕጋዉነቱ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል፤ ካብ 2% ዝነኣሰ ዘትሐዘ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ::

3 ዝርዝር ናይ ሕድሕድ ዝገልፅ ዶክመንት ካብ ዕለት 24/07/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ደደቢት ማ/ፋይናንስ 4ይ (ራብዓይ) ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 409 ብብር 100.00 (ሓደ ሚኢቲ ብር) ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፤

4 ናይ ጨረታ ዶክመንት ብፖስታ ሽም ዝተዓሸገ ናይ ቢሮ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ዝግብርሉ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 24/07/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 09/08/2011 ዓ /ም ክሳብ ንጉሆ ሰዓት 3:00 ዘሎ ጊዜ ይከዉን::

5 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 09/08/2011 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ቦታ አብ ደደቢት ትካል ዋና ቢሮ ተጫረቲ ብአካል ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኽቡሉ ይኸዉን::

6 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ እንተዘይተረኺቦም እውን እቲ ጨረታ ኣብ ሰዓቱ ይኽፈት።

7 ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምሰተፈለጠ ካብቲ ጠቕላላ ዋጋ 10% performance bond ከትሕዘ ዘኽእል፤

8 ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

9 ጨረታ ዝሰዓረ ናብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቋርን ኣክስዮም ማሕበር መፂኡ ከረክብ ኣለዎ።

10 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብከፋል ወይድማ ብሙሉአ ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሐለወ እዩ፡፡

11 ተወሳኪ ሓበሬታ እንተደሊኩም ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ማፋይናንስ ዝርክብ ቢሮ ቁፅሪ 11 ብምቅራብ ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-400014 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo