ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መሳርሒ ፅሕፈት : መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና :ኣቁሑት ፅሬት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ንክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ ዝስዕቡ ረቋሕታት ብምምላእ ንክትወዳደሩ ይዕድም::

ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ

1 ናይ 2007 ወይ 2008 ዓ/ምዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ክትቅርቡ ትኽእሉ

2 ናይ 2007 ዓ/ም ወይ ናይ 2008 ዓ/ም ናይ  መቅረባይነት ሰርትፍኬት ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪቲን ነምበር ሰርትፍኬት ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ናይ ወርሒ ሓምለ 2007 ዓ/ም ዲክለር ዝተገበረሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ናይ ቫት ሰርተፊኬት ክተቅርቡ ትኽእሉ

6 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይንኩም ዝሰዓርኩምሉ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልትታት ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዓልኩም መጋዕዝያ ናብቲ ቢሮ ክተቅርቡ እትክእሉ

7 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብሽምን ኣድራሻን ሃሊዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ክከዉን ይግባእ

8 ተጫረቲ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኮምፕሌክስ ህንፃ 3ይ ደብረሪ ቁፅሪ 333 ካብ 21 መስከረም ክሳብ 9 ጥቅምቲ  ሰዓት 9:00 ዳመፃእኩም  ክትወስዱ ትክእሉ

9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ንፅሕፈት መሳርሒ 8000 ቅርሺ :ን ኣቁሑት ፅሬት 1000 ቅርሺ :ንመለዋወጢ ኣቁሑት መኪና 5000 ቅርሺ ብሲፒኦ ክተትሕዙ እትክእሉ

10 ኣብ ጨረታ ተወዳዲሮም ናይ ዝሰዓርዎ 5000 ቅርሺ እንተኮይኑ ቫት 15 % ኣብ ቢሮ ተቆሪፁ ኣታዊ ይከዉን

11 እቲ ጨረታ 9 ጥቅምቲ 2008 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ተጫረቲ ወይንድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

12 እቲ ቢሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ  0344403447  ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo