ቤት ማዘጋጃ ክፍለ ከተማ ኩሓ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ዋንነቱ ብናይ ከባቢያዊ ልምዓት ዝኮነ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ናይ ሶዲየም ሼክሴር ምስ ኣምፕሉን ናይ ደገ መብራህቲ ዝዉዕሉን ኣቅሑት ኮንስትራክሽንን ኣቅሑት ኤሌክትሪክን ድማ ናይ ኩሓ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መዋልዳን ህንፃ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ቤት ማዘጋጃ ክፍለ ከተማ ኩሓ

በዚ መሰረት ነዚ ዝስዕብ ሮቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ክትወዳደሩ ይዕድም

1 2 ጨረታ ምልክታ ካብ ዝውፀአሉ ዕለት 25/07/2011 ዓ/ም ክሳብ 09/08/2011 ዓ/ም ንመግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቢሮና ክትወስዱ ትክእሉ፤

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ ናይ ወርሒ ጥሪ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ 2011ዓ/ም ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ፣ ከምኡውን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል፤

3 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ መኪና ስፔር፣ ብር 3000 /ሰለስተ ሽሕ / ብናይ ስፖኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

4 ተጫረቲ ዘጫረትዎ ዋጋ ብቢሮና ዘሎ ቅጥዒ ብምምላእ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ነንበይኑ ብፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ቢሮና ቤት ማዘጋጃ ክፍለ ከተማ ኩሓ ከይዲ ስራሕ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትው ኣለዎም፡፡

5 በቲ ዝወፀ ዝርዝር መዐቀኒ መሰረት ናብ ትካልና ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መጋዓዝያን መራገፍን ከቅርብ ኣለዎ፡፡

6 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ይግባእ፡፡

7 እቲ ጨረታ 10/08/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት፡፡

8 ተጫረቲ ጨረታ ዝሰዓረ  ዉዕሊ መኽበሪ 10% ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ አለዎ፡፡

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ፡፡

10 ተጫራቲ ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሓወሰ ክከውን ኣለዎ፡፡

11 ተጫራቲ ብመምርሒ ውዕሊ መሰረት ተገዛእቲ ክኮኑ ይግባእ፡፡

12 ተጫራቲ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ኣብ ውሽጢ 10 ተከታታሊ መዓልቲ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ፡፡

ኣድራሻ ጥቃ እንዳ ማርያም ኩሓ ቤተክርስትያን

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo