ኮሌጅ ፖሊ ጥዕና ሳይንስ ዶ/ር ተወልደ ለገሰ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑታት ፣ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ መድሓኒታትን ሕክምና ኣቅሑት ፣ ናውቲ ኣብያተ ፅሕፈት /ፈርኒቸር/ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ይዕድም፡፡

ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዶ/ር ተወልደ

አብዚ ዉድድር ክካፈል ዝደሊ መቕረቢ

1 ምስ ዘቅርቦ ኣቕሓ ዝተተሓዘን ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

2 አብ ተወሳኪ እሴት ታክሲ /VAT/ ተመዝጋቢ ምኻኑን ዲክለሬሽን ዝኸፈለሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ መስከረም 2011 ዓም ከቅርብ ዝክእል፤

3 ንግብሪ ከፈልቲ ዝተዉሃበ መለለይ ቁፅሪ /TIN/ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 አብያተ ዕዩ መንግስቲ ኣብዝፍፅምዎም ዕዳጋታት ንምክፋል አብ ዝርዝር መቕረብትን ዉሃበቲ ግልጋሎት ዝተመዝገበ ምኻኑ መረዳእታ ኣብ ሕድሕድ ስፔስፊኬሽን ማሕተም ከቅርብ ዝክእል፤

5 ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ንጨረታ መኽበሪ ናይ መሳርሒ ፅሕፈት 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑታት 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ መድሓኒታትን ሕክምና ኣቅሑት 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ፈርኒቸር ወይ ናይ ቢሮ ኣቅሑት 3000 ሽሕ ብር ብ ስ.ፒ.ኦ ከቅርብ ዝክእል፤

6 ሰዓራይ ምኻኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ዝሰዓሮ ኣቕሓ ዋጋ 10% ዉዕሊ መክበሪ ኣትሒዙ ኣብ 3 ናይ ስራሕ መዓለቲ ዉዕሊ ኣሲሩ ብናይ ባዕሉ መጓዓዚ ኣቀሑት አታዊ ክገብር ዝክእል፤

7 ካብ 24/07/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ብር 30 (ሰላሳ ብር) ከፊሉ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ብምዉሳድ ዝወዳደረሉ ዋጋ መሊኡ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኦርጅናል ብኮፒን (ፖስታ) ክሳብ 08/08/11 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክገብር ይክእል

7 ጨረታ ዕለት 24/08/11ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ 4:30 ይክፈት፡፡

8 ጨረታ እንትክፈት ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ እንትርከብ ይምረፅ፡፡

9 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ፡፡

ሓበሬታ ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-408755 ደዊልኩም ምሕታት ይካኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo