ኮሎጅ ቴክኒክን ሞያን ኮረም ንምምሃር ምስምሃር ምምሕዳር ስራሕትን ግልጋሎት ዝዉዕሉ ህንፃ መሳርሒ፣ ኤሌክትሪክስቲ፣ ኮምፒተርን ተዛመድትን፣ ፅሕፈት መሳርሒ፣ እምንን ሓሸዋን ንቲዮታ ሲንግል ካፕ ሞዴል HZJ79L/TJMRS መለዋወጢ መኪና ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ኮሌጅ ቴክንክን ሞያን ኮረም

1 ናይ ዘመኑ ግበሪ ዝከፈልኩም በቲ ዘፈር ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ቲን መረዳእታ ዘለኩም፤

2 ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘወራረድክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ፤

3 መኸበሪ ጨረታ ንህንፃ መሳርሒ 10000.00 (ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ)፣ንፅሕፈት መሳርሒ 3000(ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) ንኤሌክትሪክስቲ 4000.00 (ኣርባዕተ ሽሕ ቅርሺ)፣ ንኮምፒተርን ተዛመድትን 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ/፣ንእምንን ሓሸዋን 4000.00 (ኣርባዕተ ሽሕ ቅርሺ)፣ ንመለዋወጢ መኪና 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ/ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ከተትሕዙ ይግባእ፤

4 ዝሰዓርክምዎ ውዕሊ ካብ ዝአሳርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ንብረት ናብ ኮሌጅና ንብረት ክፍሊ ብናይ ባዕልኩም ትራንስፖርት ተቅርቡ፤

5 ናይ መኣከቢ መለዋወጢ መኪና ድማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ጋራጅ ይከውን፤

5 ተጫረቲ ዝምልከተኩም ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 50.00 ዘይምለስ እናከፈልኩም ኩሉሻዕ ብስራሕ ሰዓት ካብ ዕለት 25/07/2011 ዓ/ም ክሳብ 09/08/2010 ዓ/ም ካብ ኮሌጅና ቢሮ ቁፅሪ 5 ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ብምዉሳድን ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምግባር ኦርጅናልን ኮፒን አታዊ ትክእሉ

6 እቲ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ብዕለት 09/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9፡00 ይክፈት።

7 ናይ ዉዕሊ መክበሪ ካብ ዘሸነፍኩምዎ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ብስፒኦ ክተትሕዙ ይግባእ፤

8 ብባህርኦም ዉሕስና ንዘድልዩም ንብረታት ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ዉሕስና ንምሃብ ፍቃደኛ ዝኮንኩም፤

9 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይድማ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0345-510749/0345-510026/0345-510028

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo